ጣልያን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ንምዕባይ እናሰርሐት እያ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 8/2018 (ኢዜኣ) ጣልያን ኣብ ልምዓት ኣባይቲ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ንምዕባይ እናሰርሐት ከምትርከብ ኮሚሽነር ንግዲ ኤምባሲ ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ክላውዲዮ ፓስኩዋሉቺ ገሊፆም።
ኮሚሽነር ክላውዲዮ ፓስኩዋሉቺ፤ ጣልያንን ኢትዮጵያን ዋላ ኳ ጠንካራ ክልቲኣዊ ርክብ እንተሃለወን ኣብ ንግዲ ዘለወን ምትሕብባር በቲ ዝድለ መጠን ከምዘይዓበየ ንኢዜኣ ሓቢሮም።
ጣልያን ናብ ኢትዮጵያ እትልእኾም ፍርያታት ከምኡ እውን ቡንን መዓድናትን ሓዊሱ ካብ ኢትዮጵያ እተእትዎም ስትራቴጂካዊ ፍርያታት ንምዕባይ ትልሚ ከምዝሓዘት እውን ተዛሪቦም።
ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ርክብ ንግዲ ንምጥንኻር ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዝርከብ እውን ፀሪሖም።
ኣብ ዓብይ ትልሚ ኢንቨስትመንት ጣልያን ኢትዮጵያ ቀዳምነት ካብ ዝተውሃበን ሃገራት እታ ሓንቲ እያ ኢሎም።
ጣልያን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ንምልማዕን ኩባንያታት ጣልያን ብውልቀኦምን ምስ ኩባንያታት ኢትዮጵያ ምሕዝነት ብምፍጣርን ምስራሕ ዝኽእሉሎም ዕድላት ንምፍጣርን እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣመላኺቶም።
ኣብ ማሕበረሰብ ተኮር ህንፀት ኣባይቲ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ኢንሼቲቫት ዘተታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ኢንቨስትመንት ምሕዝነት ንምፍጣር ዘሎ ዕድል ዘመላኽት እዩ ኢሎም።
ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምዕባይ ዘኽእሉ ዕድላት ኣብ ቅድሜና ኣለዉ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር፤ ዓቕሚ ናብ ዝጭበጥ ውፅኢት ንምቕያር ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም