ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብዝለዓለ ብርኪ ዝረአ ትካል እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 8/2018 (ኢዜኣ) ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብዝለዓለ ብርኪ ዝረአ ትካል ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዋና ቤት ዕዮኡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ናብ ነበር ህንፃ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛወረሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት ሕዚ ኣብ ዝርከበሉ ብርኪ ምብፅሑ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብዝለዓል ብርኪ ዝረአ ትካል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሶፍትዌር ሮቦታት ጥራሕ ዘይኮነስ ደጋዊ ክፍሊ ኣካል(ሃርድዌር) እውን ምስራሕ ከምዝጀመረ ተዛሪቦም።
ድሮን ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓቕሚ ምዝርራብ ዝፈጥር ዘሎ ትካል እውን እዩ ኢሎም።
ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ብብርኪ ኣፍሪካ ዝወዳደር ኣሰራርሓ ዝኽተል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብርክት ዝበሉ ፍርያታት ኣውፂኡ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ምፍላይ ካንሰር ጡብ ዓብይ ውፅኢት ምምፃእ ከምዝኸኣለን እዚ ድማ ብብርኪ ዓለም ብፈለጥቲ ኣርቲፊሻል ተቐባልነት ኢሉ እውን መሰል ዋንነት ዝረኸበ ስራሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ኣብ ዓውዲ ግብርና እውን ኣብ ቡናን ካልኦት ዝራእትን ዝርከብ ሕማም ዝፈሊ ፕሮጀክት ከምዝፈረየ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ መሰል ዋንነት ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ብካሊእ መዳይ መሶብ ዝበሃል ኣብ ሓደ ማእኸል ልዕሊ 100 ኣገልግሎታት ዝህብ ሲስተም ዝሃነፀ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
ሚኒስቴር ገንዘብ፣ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ሓዊሱ ትካላት ኣሰራርሐኦም ንምምዕባል ዝግልገሉሎም ብርክት ዝበሉ ሲስተማት ምህናፅ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።
ምስ ኣጠቓቕማ ዳታ ተኣሳሲሩ ኣምሓርኛ፣ኦሮሚኛ፣ ሶማሊኛ፣ትግርኛን ዓፋርኛን ተዛራቢ እቲ ሓደ ቋንቋ ሳልሳይ ሰብ ከየእተወ ምስ ተዛራቢ እቲ ካሊእ ቋንቋ ምርድዳእ ዝኽእለሉ መንገዲ፣ብፅሑፍ ዝኣተወ መልእኽቲ ናብ ድምፂ ምቕያር፣ብድምፂ ዘሎ መልእኽቲ ናብ ፅሑፍ ምቕያርን ተዛመድቲ ኣገልግሎታትን ንምሃብ ብሽሕ ሰዓታት ዝቑፀሩ ኦዲዮታት ዳታ ብምእታው እናተሰርሐ ከምዝርከብ ከም ኣብነት ኣረዲኦም።
ሪቮሉሽን ግብርና ሓደ ክልተ ሰለስተ እናበለ መፂኡ እዩ፤ ንሕና ኣብዚ ኣይነበርናን፤ ቴክኖሎጂካል ሪቮሉሽን ነይሮም እዮም፣ኢንደስትሪያል ሪቮሉሽናት ነይሮም እዮም፤ ኣብዚኣቶም ኩሎም ኢትዮጵያ ብዕራይን ሰብን ምልቓቕ ከይኸኣለት ዝነበረትሉ ቀንዲ ምኽንያት ሓዱሽ ፍልጠት፣ሓዱሽ ልምምድ፣ሓዱሽ ፈጠራ እንትፍጠር እቲ ጉዳይ ንምፍላጥን ንምኽታልን ዝነበረ ሃንቀውታ፣ድሉውነትን ኣተሓሳስባን ትሑት ስለዝነበረ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ደለናዮ ኣይደለናዮ ዓርስና ኣብ ውሽጢ ከይዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ክነእትው እንተዘይክኢልና እቲ ደረጃ ኣብ ዝኾነ ቦታ ይኹን ከም ሃገር ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበርናዮ ካብ ዓበይቲ ሪቮልሽናት ንድሕሪት ክንተርፍ ኢና ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም