ቫይረስ መርበርግ ንምቁፅፃር ብምውዳድ እናተሰርሐ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ቫይረስ መርበርግ ንምቁፅፃር ብምውዳድ እናተሰርሐ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 8/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቫይረስ መርበርግ ንምቁፅፃር ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጥዕና ኣመልኪተን ጋዜጣዊ መግለፂ ሂበን።
ኣብ መግለፂአን እውን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 3 ሕዳር 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጂንካ ቫይረስ ማርበርግ ከምዘጋጠመ ተዛሪበን።
በዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ናይ 17 ሰባት ናሙና ብባዕላዊ ዓቕሚ ላብራቶሪ ከምዝተመርመሩ ብምሕባር፤ ካብዚኣቶም ድማ ኣብቶም 3 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸበ ከምዝተረጋገፀ ሓቢረን።
ሂወት በቲ ሕማም ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ሰባት ምሕላፉ እውን ገሊፀን።
ምስ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ንኽክእ ዘለዎም ሰባት ብምፍላይ ስራሕቲ ክትትል እናተሰርሑ ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን።
እዚ ቫይረስ ንምቁፅፃር ስራሕቲ ምድላውን ምውዳድን እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ግብረ ሓይሊ ወሃቢ ኣገልግሎት ብምጥያሽ እቲ ሕማም ናብ ዝተርኣየሉ ከባቢ ተላኢኹ እዩ ኢለን።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይዚ ሕማም ናሙና ናይ ምምርማርን ምፍላይን ዓቕሚ ከምዘለዋ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ጥዕና ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብምውዳድ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።
በዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘለዉ ትካላት ጥዕና መፅንሕን መሐከምን ማእኸላት ናይ ምጥያሽ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢለን።
በቲ ሕማም ምስ ዝተትሓዘ ሰብ ብዘሎ ንኽክእን ብካልኦት መንገድታትን ዝመሓላለፍ ሕማም ስለዝኾነ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።
እቲ ሕብረተሰብ ኢዱ ብሳሙና ናይ ምሕፃብን ፅሬት ናይ ምሕላውን ስራሕቲ ከጠናኽር ከምዘለዎ እውን ገሊፀን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ግዝያዊ መፅንሒ ሰብ ከምዘየለ ብምሕባር፤ ተንቀሳቓሲ ላብራቶሪ ናብ ከባቢ ጂንካ ከምዝተልኣኸ ተዛሪበን።