ብቕዓትን ዓቕምን ኢትዮጵያ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ርእየ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበበ/ሕዳር 8/2018 (ኢዜኣ) ናይ ምፍፃም ብቕዓትን ዓቕምን ኢትዮጵያ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ርእየ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዋና ቤት ዕዮኡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ብምቕያር ናብ ናይ ቀደም ህንፃ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛወረሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።



ኣብ ምልእኽቶም እውን፤ ብሓፈሻ ሎሚ ዝረኣኹዎ ነገር ሰብ ራኢ ፈጠራ እንተሃሊዎን ብልዑል ዲስፕሊን ዝሰርሕ እንተኾይኑን ሓደ ነገር ብዝረኣዮ ልክዕ ምዕዋት ከምዝኽእል እዩ ኢሎም።
ኩሉ ነገር ዝሳለጥ ዘሎ ብኢትዮጵያውያን ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ርእየ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ዘለዉና ህንፃታትን ስፍራታትን ይኹነና ኢልና ሓሲብና እንተንሰርሖም ኣዝዮም ዝፀበቑ ምዃን ከምዝኽእሉ እውን ተዓዚበ ኢሎም።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብብርኪ ትካል ካብ ንጅምሮ ከባቢ 5 ዓመት እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕ ህንፀት እቲ ትካል ኣዝዩ ዘደምም ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ራእን ዲስፕሊንን እንትራኸቡ እንታይ ምፍጣር ከምዝከኣል እዚ ትካል መርኣያ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብመስርሒ ቦታ ጥራሕ እኳ እንንተወሲዱ ንኢትዮጵያ ዓይኒ ዝገልፅ፣ሓዱሽ ምልከታ፣ሓዱሽ ኣረኣእያ ዝገልፅን ዘርእን፣ንስራሕ ኣዝዩ ምችው፣መናእሰይ ንነዊሕ እዋን ክሰርሕሉ ዝኽእሉሉ ትካልን ስፍራን ኮይኑ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።




ቅድሚ 5 ዓመት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝብል ሓሳብ እንትነልዕልን ትካል ይፈጠር እንትበሃልን ኣብ ውሽጥና እውን መብዛሕቲኦም ብቐሊሉ ዝተቐበልዎ ሓሳብ ኣይነበረን ኢሎም።
ይኹን እምበር ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ወዲ ሰብ ዝሓስበሉ መንገዲ፣ኢማጅን ዝገብረሉ መንገዲ፣ፖሲቢሊቲ ዝሪአሉ መንገዲ እናቐረፀ መፂኡ እዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም