ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 5 ከተማታት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ክጅመር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 5 ከተማታት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ክጅመር እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 6/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክል ኣምሓራ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 5 ከተማታት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ከምዝጅመር ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣረጋ ከበደ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ከተማ ድሴ ኣጀሚሮም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ፀገም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት መንግስቲ ንምፍታሕ ወሳኒ እጃም ኣለዎ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ 3 ከተማታት ኣብ ባህር ዳር፣ ጎንደርን ደሴን ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ምጅማሩ ሓቢሮም።
ኣብ ቀረባ እዋን እውን ኣብ ከተማታት ደብረ ብርሃን፣ ኮምቦልቻ፣ወልድያ፣ደብረ ታቦርን ደብረ ማርቆስን ማእኸላት መሶብ ተኸፊቶም ኣገልግሎት ከምዝህቡ ተዛሪቦም።
ናይ መወዳእታ ሽቶና ዕግበት ህዝቢ ምርግጋፅ፣ልምዓት ምቅልጣፍ፣ንግድን ኢንቨስትመንትን እዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ እቲ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ነዚ ክተግሁ ኣለዎም ኢሎም።