ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘለዎ ቅሬታ ብዘላቕነት ዝፈትሕ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 6/2018(ኢዜ) ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘለዎ ቅሬታ ብዘላቕነት ከምዝፈትሕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ከተማ ድሴ ኣጀሚሮም።



ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ከተማ ደሴ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘበን ተሳጋሪ ዝፀሓፈት፣ዝሰልጠነ ማሕበረሰብ ዝሃነፀት፣መግለፂ ዘበናውነት ከምዝኾነት ሓቢሮም።
እቲ ህዝቢ መስተውዓሊ፣ንፍትሒ ጠጠው ዝበለ፣ብዘተ ዝኣምን፣ኣምባሳደር ሰላምን ሓርበኛ ልምዓትን ከምኡ እውን ብኢትዮጵያውነቱ ዘይደራደር እዩ ኢሎም።



ወሎ መፍለቒ ጥበብን መኣዲ ፍልጠትን ምዃና ብምግላፅ፤ ሕምብርቲ ወሎ ዝኾነት ከተማ ደሴ ሕዚ ኣብ ልዑል ምንቅስቓስ ልምዓት ከምትርከብ እውን ፀሪሖም።
ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ከተማ ድሴ ኣብታ ከተማ ዝተጀመረ ጉዕዞ ልምዓት ንምቅልጣፍ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።
ኢንሼቲቭ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝኾነ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብማንዋል ክወሃብ ዝዝልፀንሐ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣብ ሓደ ማእኸል ቅልጡፍ ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል እዩ ኢሎም።



ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ግዜን ጉልበትን ተገልገልቲ ብምቑጣብ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር ናብ ዝሓሸ ብርኪ ከምዘዕብዮ ገሊፆም።
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘለዎ ቅሬታ ብዘላቕነት ዝፈትሕ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
በቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ከተማ ደሴ ንነበርታ ምችውቲ፣ዝማዕበለትን ዝፀበቐትን ከተማ ምዃን ዘኽእላ ጎዳና ተስፋ ጀሚራ እያ ክብሉ ሓቢሮም።
ቀዳማይ ምዕራፍ ልምዓት ኮሪደር ደሴ ፅባቐ እታ ከተማ ዝገለፀ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንዝሓሸ ኣፈፃፅማ እቲ ህዝብን ኣመራርሓን ተሓጋጊዙ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም።
ሰላምን ልምዓትን ተመጋገብቲ ምዃኖም ብምግላፅ፤ እቲ ዝተጀመረ ልምዓት ኣብ ሽቶኡ ንክበፅሕ እቲ ህዝቢ ዋሕስ ሰላም ምዃኑ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዘለዎ እውን ኣገንዚቦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም