ህንፀት ምስፍሕፋሕ ሆስፒታል መዘከርታ ዘውዲቱ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 6/2018(ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ስራሕ ህንፀት ምስፍሕፋሕ ሆስፒታል መዘከርታ ዘውዲቱ ሎሚ መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን።



እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን፤ ኣብ ሆስፒታል መዘከርታ ዘውዲቱ ንሓዱሽ ሆስፒታል ዝመጣጠን ምስፍሕፋሕ ብምህናፅን ዘበናዊ መሳርሕታት ሕክምና ብምምላእን ስራሕ ምጀማሩ ሓቢረን።
እቲ ዝተሃነፀ ሆስፒታል፤ ላዕለዋይ ማእኸል ሕክምና፣ኣብ ልዕሊ 1 ሽሕን 800 ካ/ሜ ዝዓረፈን በዓል 10 ደብሪ ህንፃን እንትኸውን ንደቂሶም ዝሕከሙ ተሓከምቲ ኣገልግሎት ዝህብ 320 ዓራት ዝሓዘ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
እቲ ሆስፒታል እቲ ምምሕዳር ከተማ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ሜዲካል ንምግባር ንዝጀመሮ ስራሕ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝፈጥር እውን ተዛሪበን።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም