ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ሕጋዊ ክልላዊ ፖለቲካ ፓርቲ ረኺቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ሕጋዊ ክልላዊ ፖለቲካ ፓርቲ ረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 6/2018(ኢዜኣ) ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ሕጋዊ ክልላዊ ፖለቲካ ፓርቲ ሂቡ።
ንክልል ትግራይ ኣማራፂ ሓሳብ ፖለቲካ ንምቕራብ መናእሰይ ውድብ ፖለቲካ ብምምስራት ሕጋዊ መረጋገፂ ንክወሃቦም ሕቶ ምቕራቦም ተገሊፁ።
በዚ መሰረት ድማ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝተውሃቦ ኣዋጅ ንውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ሕጋዊ ክልላዊ ፖለቲካ ፓርቲ 5 ሕዳር 2018 ዓ/ም ምሃቡ ኣፍሊጡ።