ኢትዮጵያ ብቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነት ምስ ጎረቤታ ሓቢርካ ንምዕባይ ዘለዋ ድሌት ንምዕዋት እናሰርሐት እያ-ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነት ምስ ጎረቤታ ሓቢርካ ንምዕባይ ዘለዋ ድሌት ንምዕዋት እናሰርሐት እያ-ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 5/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነት ምስ ጎረቤታ ሓቢርካ ንምዕባይን ንምብልፃግን ዘለዋ ድሌት ንምዕዋት ብቆራፅነት እናሰርሐት ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም።
"ሆርን ሪቪው"ዝተብሃለ ቲንክ ታንክ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ፎረም ፖሊሲ ኣካይዱ።
ኣብቲ ፎረም ዲፕሎማቲካ ማሕበረሰብን መሓዙት ኣካላትን ሓዊሱ መውፃእቲ ፖሊሲን ሙሁራንን ዝተረኸቡ እንትኸውን፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ(ዶ/ር) ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ብዝምልከት መብራህርሂ ሂቦም።
ኣብ መብራህርሂኦም እውን፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጎንፅን ዘይምርግጋዕን ቀንዲ መግለፂ እናኾነ መፂኡ እዩ ብዝብል ካብ ኩሎም ኣማራፅታት ሚድያ ምስማዕ ዝተለመደ እዩ ኢሎም።
እቲ ዞባ ሰፊሕ ዝሕረስ መሬት፣ሃፍቲ ማይ፣ዕቑር መዓድንን ጠንካራ ሰራሕተኛ ህዝብን ዘለዎ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብቲ ከባቢ ብዝፍጠሩ ጎንፅታት ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ፈተና ከምዝገበሮ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ እዚ ንነዊሕ እዋን ስግኣት ልምዓት፣ሰላምን ድሕንነትን ዝኾነ ዞባ ንምቕያር ብመሰረተ ልምዓትን ኢኮኖምን ምትእስሳር ንክፍጠር ፃዕርታት እናገበረት ከምትርከብ ተዛሪቦም።
ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ንጎረቤት ዝህብ፣ምስ ኩሉ ብሰላማውን ቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነትን ሓቢርካ ንምስራሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤት ሃገራት ብሰላማውን ብቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነትን ንምዕባይ ዘለዋ ድሌት ብመሰረተ ልምዓትን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብምትእስሳር ብተግባር ከምዘርኣየት እውን ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን እናዓበየ ምስ ዝመፀ በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ዝምዝገብ ዘሎ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምቕፃል በሪ ባሕሪ ወሳኒ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ቅድም ኣብ ዝበሉ ዓመታት በሪ ባሕሪ ዝነበራ ሃገር ፍትሓዊ ብዘይኮነ መንገዲ በሪ ባሕሪ ንክትስእን ከምዝተገበረ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓንቲ ሃገር ከምዝነበራ ብምዝኽኻር፤ ኣብቲ እዋን ንኢትዮጵያ ዝመርሑ መንግስትታት ሓላፍነት ብዝጎደሎ መልክዑ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክትግንፀልን ኢትዮጵያ እውን ካብ በሪ ባሕሪ ንክትግለልን ምግባሮም ኣመላኺቶም።
ኢትዮጵያ ዞባዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንምፍጣር ልዑል ፃዕሪ እናገበረት ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኩለን ሃገራት ነዚ ክተሓባበራ ይግባእ ኢሎም።
ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ምክልኻልን ርክብ ኢንቨስትመንት ንግዲ ምዕባይን ንዞባዊ ውህደት ኢኮኖሚ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት እንተሰሪሐን መርኣያ ዝኸውን ምትሕብባር ምፍጣር ከምዝኽእላ ኣረዲኦም።