ብመንግስቲ፣ህዝብን ሰብ ሃፍትን ንዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ምድጋፍ እቲ እንደልዮ ብልፅግና ንምምፃእ የኽእል-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ብመንግስቲ፣ህዝብን ሰብ ሃፍትን ንዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ምድጋፍ እቲ እንደልዮ ብልፅግና ንምምፃእ የኽእል-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 5/2018(ኢዜኣ) ብመንግስቲ፣ ህዝብን ሰብ ሃፍትን ንዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ምድጋፍን ምክንኻንን እቲ ዝድለ ብልፅግና ንምምፃእ ከምዘኽእል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ብዘይ ፍልጠት ዝስራሕ ሃገር የለን ኢሎም።
ጎና ጎኒ ፕሮጀክት’ገበታ ለትውልድ’ሃይቅ ብበዓል ሃፍቲ በላይነህ ክንዴ ዝተሃነፀ “ገበታ ለትውልድ ሃይቅ ቁፅሪ 1 ቀዳማይን ማእኸላይን ብርኪ ቤት ትምህርቲ” ምዕዛቦም ሓቢሮም።
ዝፈረሰ ቤት ትምህርቲ ጭቃ ይሰርሐልና ኢሉ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንዓመታት ዝሓተቶ ሕቶ ኣይተ በላይነህ ክንዴ ከምዝመለስዎ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ልዑል ምስጋና ከቕርብ ይፈትው ኢሎም።
ልምዓት ውፅኢቱ ብዙሕ መልክዕ እዩ ዘለዎ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ልምዓት እንተደጊፍናዮን እንተተኸናኺንናዮን ነቲ ከባቢ ከምዝቕይሮ ገሊፆም።
ህዝቢ ከባቢ ሃይቅ ዝስራሕ ፕሮጀክት ‘ገበታ ለትውልድ' ብምድጋፉን ሰላሙ ብምሕላዉን ህንፀት ቤት ትምህርቲ ከምዘወሰኸ እውን ፀሪሖም።
ሎሚ መዓልቲ ካብ ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ዝተረኸቡ 4 ሽሕን 250 መፅሓፍቲ ንቤተ መፅሓፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዘረከቡ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ትሩፋት እቲ ልምዓትን ሰላምን እዩ ኢሎም።
በቢከባቢኡ ብመንግስቲ፣ህዝብን ሰብ ሃፍትን ዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ብምክንኻን፣ብምድጋፍ፣ዕንቅፋታት ብምልዓልን ንክዕወቱ ኣብ ጎኖም ጠጠው ብምባልን ብዙሕ ኣትረፍቲ ምዃን ንኽእል ኢና ክብሉ እውን ገሊፆም።
ከም ኣይተ በላይነህ ክንዴ ዝበሉ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ብምውፃእ ማሕበራዊ ፀገማት ዝፈትሑ ሰብ ሃፍቲ ብዝበዝሑ ቁፅሪ ብልፅግናና ቅልጡፍ ይኸውን ኢሎም።
ከም ህዝቢ ከባቢ ሃይቅ ልምዓትን ሰላምን ዝከናኸን ማሕበረሰብ እናበዝሐ ብዝመፀ ቁፅሪ ፀገማት ታሪኽ ከምዝኾኑ እውን እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሮም።