ሰላማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ክትረክብ ዝገብር ኣማራፂ ዘይብሉ መንገዲ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 5/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ቃልሲ ፖሊካ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ክትረክብ ዝገብርን ሃገር ንቕድሚት ዝወስድን ኣማራፂ ዘይብሉ መንገዲ እዩ ክብሉ ኣባላት ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ “የመደመር መንግሥት” ዝብል መፅሓፎም ገፅ 328 ድሌት ሓይሊ እንተዘይተገሪሑ ንኹሉ ምጥቕላል ከምዝደሊ ይገልፁ።
እዚ ድማ ኣብ ዕዳጋ ፖለቲካ ቅልውላው ዝፈጥር እዩ። ዋሕዝን ስሕበትን ሓይሊ ዝርብሽ እዩ። እቲ ቅልውላው ድማ ስርዓት ይርብሽ። በዚ ድማ እቲ ሓይሊ ንመን ከምዘጥፍእ ምፍላይ ክሳብ ዝኣቢ ከምዝርብሽ ሓቢሮም እዮም።
ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ዝገበሩ ኣባላት ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ፤ ንረብሓ ህዝብን ዕቤት ሃገርን ኢና ንቃለስ ዝብል መትከል ዘለዎ ዝኾነ ጉጅለ ዕላምኡ ብሰላማዊ መንገዲ ካብ ምዕዋት ወፃኢ ኣማራፂ የብሉን ኢሎም።
ላዕለዋይ ኣመራርሓ ግንባር ነፃነት ኦሮሞ(ኦነግ) ቀጀላ መርዳሳ፤ መንግሥቲ ድሌቶም ብሓይሊ ንምዕዋት ንዝደልዩ ጉጅለታት ናብ ሰላም መፂኦም ብሓባር ንክሰርሑ ተደጋጋሚ ፃውዒት እናቕረበ እዩ ኢሎም።
ዋላ ኳ እዚ ፃውዒት ተቐቢሎም ዝመፁ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት እንተሃለዉ ሕዚ እውን ኣማራፂ ሰላም ብዘይምቕባል ናብ ድሕሪት ዝጎዓዙ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ካብ ሰላማዊ ቃልሲ ወፃኢ ዘሎ ቃልሲ ፖለቲካ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከምዘስእን እውን ኣረዲኦም።
ምክትል ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ህብር ኢትዮጵያ ኣበራ በቀለ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ድሌት ብሓይሊ ንምዕዋት ምፍታን ግዚኡ ሓሊፍዎ እዩ ኢሎም።
ዝኾነ ኣካል ወይ ድማ ፓርቲ ዝደልዮ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምዕዋት ካብ ሰላም ወፃኢ ዘሎ ኣማራፂ ተቐባልነት ከምዘይብሉ እውን ተዛሪቦም።
ሓላፊ ዘፈር ርክብ ወፃእን ዓለም ለኸን ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ቦሮ መብራቱ ዓለሙ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ምርግጋፅ ሰላም ሃገር ንሓደ ኣካል ዝግደፍ ጉዳይ ኣይኮነን።
ዝተዓጠቑ ሓይልታት ኣለና ዝብልዎ ሕቶ ናብ ዘተ ንከምፅእዎ ተደጋጋሚ ፃውዒት እናቐረበ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ከም ሃገራዊ ምኽክር ዝበሉ ኣማራፅታት ከምዝቐረቡ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም