እቲ በዓል ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንመላእ ዓለም እነርእየሉ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 5/2018(ኢዜኣ) መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንመላእ ዓለም እነርእየሉ እዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።
መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን''ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ከተማ ሆሳእና ክኽበር እዩ።
መድረኽ ግምገማ ምድላውን ኣከባብራን መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተሳሊጡ።



ኣብቲ መድረኽ ግምገማ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንደሻው ጣሰው (ዶ/ር)፣ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል፣ዓብይ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ትካላት ፌዴራልን ተረኺቦም።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እዋን፤ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እቲ በዓል ብዋንነት ሒዙ ብድሙቕ ንምኽባር ዝነኣድ ምድላው ከምዝገበረ ሓቢሮም።
እቲ በዓል ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንመላእ ዓለምን ኢትዮጵያውያንን እነርእየሉ እዩ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ እቲ በዓል ብዕዉት ኩነታት ንምኽባር ዘኽእሉ ዝተረፉ ስራሕቲ ንክዛዘሙ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ እውን ተዛሪቦም።



ሓድነት እቲ ህዝቢ ብምጥንኻር ፀጋታት ምክእኣልን ምክብባርን ንክጠናኸሩ እቲ በዓል ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ዝገለፁ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንደሻው ጣሰው (ዶ/ር)፤ ኣጋይሽ ብኣግባቡ ተቐቢሉ እቲ በዓል ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት መሰረት ገይሩ ንክኽበር መንግስትን ህዝብን እቲ ክልል እኹል ምድላው ከምዝገበረ ኣረዲኦም።
እቶም ዝተረፉ ምድላዋትን ስራሕቲ ልምዓትን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትታት ምዝዛም ከምዝከኣል እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም