ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሩ እዮም-ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሩ እዮም-ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 5/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሩ ከምዝኾኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ(ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሩ እዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ኢትዮጵያ መርኣያ ብልፅግና ንምግባር ንዝተጀመረ ጉዕዞ መርኣያ እዮም ኢሎም።
ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ንኹሉ ኣሳታፊ ብምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።
ድሕሪ መበል 6ይ ሃገራዊ መረፃ ከይዲ ምስረታ መንግስቲ ኣባላት ተነሓናሕቲ ውድባት ኣብ ውሽጢ ካቢኔ ብምስታፍ ንዕቤት ሃገር ብሓባር ንክሰርሑ ከምዝተገበረ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
እዚ ድማ ብብርኪ ሃገር ዲሞክራሲ ምርድዳእ ንምህናፅ ዝተጀመረ ከይዲ ብተግባር ዝተገለፀሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታታት ዝሓዙ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር ምስራሕ ከምዝኽእሉ መርኣያ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዓሊሙ ዝተጣሸ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ካብ ዝርከቡ ዘለዉ ዓወታት እቲ ሓደ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ጎንፅታት ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ንምፍታሕ ኣንፈት ተቐሚጡ ተግባራዊ እናተገበረ ምዃኑ ድማ ካሊእ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዘሎ ዓወት ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከም ኣብነት ሓቢሮም።
ኣብ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ጋምቤላ፣ሶማሌን ካልኦትን ዝነበሩ ፀገማት ሙሉእ ብሙሉእ ብምፍታሕ ኣብተን ክልላት ሰላማዊ ምንቅስቓስ ልምዓት ክሳለጥ ከምዝኸኣለ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ብምዝርራብ ናብ ሰላማዊ መንገዲ ንክመፁ ከምዝተገበረ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን በሪ ሰላም ተኸፊቱ ፀገማት ንምፍታሕ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።