ብኣተሓሳስባ ናይ መደመር መንግስቲ ኩሎም ትካላት ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ናይ ምትግባር ግቡእ ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 5/2018 (ኢዜኣ) ብኣተሓሳስባ ናይ መደመር መንግስቲ ኩሎም ትካላት ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ናይ ምትግባር ግቡእ ኣለዎም ክብላ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ዓለምፀሃይ ጳውሎስ ገሊፀን።
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን መድረኽ ልውውጥ ተሞክሮ ሪፎርም ኣገልግሎትን ምሕደራን መንግስቲ የሳልጥ ኣሎ።



ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ዓለምፀሃይ ጳውሎስ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ሪፎርም ኣገልግሎትን ምሕደራን መንግስቲ በቲ ዝድለ መጠን ልህቀት ንክቕፅል ዝገብር እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) "ዕውትነት ናይ መደመር መንግስቲ ንብራኸ ዘፈራት" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተዳለወ ስልጠና ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘለዎ ኣንፈት ከምዘቐመጡ ገሊፀን።
ኣተሓሳስባ ናይ መደመር መንግሥቲ ትካላት ዘበናት ዝሳገሩ ዘላቕን ንዓና ክመስሉን ኣለዎም ብዝብል ብግልፂ ከምዝተቐመጠ ገሊፀን።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ሪፎርም ኣብ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ዝተቓነየ፣ካብ ሃገራዊ ፀጋ ዝተቐድሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ኩሎም ትካላት ተግባራዊ ዝግበር እዩ ኢለን።
እቲ ሪፎርም ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ዝተኸፈለ እንትኸውን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ፣ማእኸላይን ንድሕሪት ዝተረፈን ብምፍላይ ምዃኑ ብምሕባር ሚኒስተር ስራሕን ክእለትን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ኣመዝጊቡ ብግልፂ ምምራፁ ሓቢረን።



እቲ ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ዝተኸፈለሉ ቀንዲ ምኽንያት ትካላት ካብ ቀዳሞት ልምዲ እናወሰዱ ዝሓሸ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ንክህልዎም እዩ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።
እቲ ከይዲ ብኣንፃር 7ቲኦም ዓምድታት ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ክረአ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ኩሎም ትካላት ተግባራዊ ናይ ምግባር ግቡእ ከምዘለዎም ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም