ዘይምርድዳኣት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ምኽክር እጃም ውድባት ፖለቲካ ወሳኒ እዩ-ዋና ኮሚሽነር መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)

ኣዳማ/ሕዳር 5/2018(ኢዜኣ) ኣፈላላያትን ዘይምርድዳኣትን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ምኽክር እጃም ውድባት ፖለቲካ ወሳኒ ከምዝኾነ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ከይዲ እቲ ምኽክር ዕዉት ንምግባር ብምሕሳብ ውድባት ፖለቲካ ዝተሳተፍሉ መድረኽ ምኽክር ኣብ ከተማ ኣዳማ የሳልጥ ኣሎ።



ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን ስራሕቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብምዝዛም ናብ ቀፃሊ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ንምስጋር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ምኽክርን ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ውድባት ፖለቲካ፣ሙሁራን፣ማሕበራትን ትካላን፣ ተፈለጥቲ ውልቀ ሰባት፣ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራን መዳርግቲ ኣካላትን ተሳቲፎም እዮም ኢሎም።
ከይዲ እቲ ምኽክር ዕዉት ብምግባር ናብ ቀፃሊ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ንምስግጋር እቲ ኮሚሽን ስራሕቲ ምእካብን ምቕራፅን ኣጀንዳ እናሳለጠ ከምዝርከብ እው ሓቢሮም።
እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኣሳታፍን ሓቛፍን ንክኸውን ተሳትፎ ውድባት ፖለቲካ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ውድባት ፖለቲካ ወነንቲ እቲ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ኮይኖም ብንቕሓት እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።



ዘይምርድዳኣት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ምኽክር እጃም ውድባት ፖለቲካ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ውድባት ፖለቲካ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተኻየደ ከይዲ ምኽክር ንቑሕ ተሳትፎ ከምዝነበሮም ብምግላፅ፤ እቲ መድረኽ እቶም ውድባት ክሳብ ሕዚ ዝነበሮም ተሳትፎን እጃምን ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝበለፀ ንከጠናኽሩ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ኣካቢ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣይተ ሰለሞን ኣየለ ብግደኦም፤ እቲ ምኽክር ዕዉት ስግግር ፖለቲካ ንምክያድ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣጀንዳ ውድባት ፖለቲካ ብምትእኽኻብ ነቲ ኮሚሽን ከምዘረከበ ኣረዲኦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም