ንዕዉትነት እቶም ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ትፅቢት ዝግበረልና ደገፍ ክንገብር ኢና-ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ንዕዉትነት እቶም ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ትፅቢት ዝግበረልና ደገፍ ክንገብር ኢና-ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ
ወልቂጤ/ሕዳር 5/2018 (ኢዜኣ) ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ዝተገበሩ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ሓባራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘረጋግፁን ካብ ተመፅዋታይነት ምልቓቕ ዘኽእሉን ስለዝኾኑ ብዘይ ኣፈላላይ ዝገብርዎ ደገፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመረቕሉ እዋን ኣብ ቀፃሊ ዝህነፁ ሓደሽቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ዕላዊ ምግባሮም ዝዝከር እዩ።
ፋብሪካ ማዳበሪያ፣መፃረዪ ነዳዲ፣ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ፣ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርትን ካልኦት ፕሮጀክትታትን ካብቶም ኣብ ቀፃሊ ዝህነፁ ፕሮጀክትታት እዮም።
ኣባላት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንኢዜኣ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ እቶም ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ሓባራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘረጋግፁን ካብ ተመፅዋታይነት ምልቓቕ ዘኽእሉን ስለዝኾኑ ዕዉታት ንክኾኑ ብዘይ ኣፈላላይ ደገፍ ከምዝገብሩ ሓቢሮም።
ኣካቢ እቲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ኣይተ ደምስ ገብሬ ከምዝበልዎ፤ ብሄራዊ ረብሓን ዶብ ሃገርን ኢትዮጵያ ምኽባር ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ።
ልምዓትን ሰላምን ምርግጋፅ ዝከኣል ግዝኣታዊ ሓድነት ብምሕላውን ተረባሕነት ዜጋታትን ልኣላዊነት ኢኮኖምን ብምርግጋፅን እዩ ኢሎም።
ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ዝተገበሩ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንከንሰራርእ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ንምዕባይ ወሰንቲ ስለዝኾኑ ደገፍ ክንገብር ኢና ክብሉ እውን ገሊፆም።
ድሕሪ እቲ ለውጢ ሃገራዊ ሃፍቲ ንረብሓ ህዝቢ ምውዓል ዘኽእሉ ሰራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ዝበሉ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ሄኖክ ኣብድልሰመድ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ብሓይሊ ኤሌክትሪክን መሰረተ ልምዓትን ብምትእስሳር ብምትሕብባር ንምስራሕ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።
እቶም ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ንኢኮኖሚያዊ ትራንስፎርሜሽን ሃገር ካብ ዘለዎም ፋይዳ ብተወሳኺ ዜጋታት ኣብ ዝተዋፈርሉ ዓውዲ ስራሕ ንዝገብርዎ ፃዕሪ ርኡይ እጃም ስለዝህልዎም ግቡእ ደገፍ ክንገብር ኢና ኢሎም።
ካሊእ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾኑ ኣይተ እንዳለ ኤርግዶ፤ እቶም ፕሮጀክትታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ብምዕባይ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ተመሪቑ ኣብ ስራሕ ምውዓል ዝጀመረ ፋብሪካ ጋዝ፤ ኢትዮጵያ ተፈጥሮኣዊ ሃፍትታታ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ምልማዕ ከምትኽእል መርኣያ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ፋብሪካ ማዳበሪያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምህናፅ እውን ካብ ተመፅዋታይነት ብምልቓቕ ኣብ ዓውዲ ግብርና እመርታዊ ለውጢ ንምምፃእ ወሳኒ እጃም ስለዘለዎ ንዕዉትነት እቶም ፕሮጅክትታት ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።