መሰረተ ልምዓታት መንገዲ ካብ ስልሒት ምህንድስና ንላዕሊ ብስምዒት ዋንነት ሕብረተሰብ ምሕላው ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
መሰረተ ልምዓታት መንገዲ ካብ ስልሒት ምህንድስና ንላዕሊ ብስምዒት ዋንነት ሕብረተሰብ ምሕላው ይግባእ
ኣዲስ ኣብአባ/ሕዳር 4/2018(ኢዜኣ) ብልዑል ሃፍቲ ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት መንገዲ ካብ ስልሒት ምህንድስና ንላዕሊ ብስምዒት ዋንነት ሕብረተሰብ ምሕላው ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ምምሕዳር መንገድታት ኢትዮጵያ ኢንጅነር መሐመድ ኣብዱራህማን ገሊፆም።
ሃገር ብጥበብ ዝብል ወርሓዊ መድረኽ ኪነ ጥበብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ)"ፍኖት ናብ ብልፅግና" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ በዓል መዚ ምምሕዳር መንገድታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ኣካቢ ቦርድ ኢዜኣን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ሰይፈ ደርቤ፣ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ምምሕዳር መንገድታት ኢትዮጵያ ኢንጅነር መሐመድ ኣብዱራህማን ከምዝበልዎ፤ ኪነ ጥበብ ትኽክለኛ ስምዒትን ድሌትን ህዝቢ ዝንፀባረቐሉ ስራሕ እዩ።
ፕሮጀክት ልምዓት መንገዲ ንኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ምንቅስቓስ ልምዓት ከም ወሳኒ መሳርሒ ኮይኑ ዘገልግል ዓውዲ መሰረተ ልምዓት እዩ ኢሎም።
ተሳትፎ ሓለዋ ድሕንነት መንገዲ እቲ ሕብረተሰብ እውን ዘላቕነት መሰረተ ልምዓት ንምርግጋፅ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብልዑል ወፃኢ ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት መንገዲ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ዜጋታት ብምርግጋፅ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ እናሳለጡ ከምዝርከቡ እውን ሓቢሮም።
መሰረተ ልምዓታት መንገዲ ብዘላቕነት ንምጥቃም እቲ ሕብረተሰብ ከም ናይ ባዕሉ ንብረት ንክከናኸን ብጥበብ ዝተደገፉ ስራሕቲ ምጭባጥ ግንዛበ ወሰንቲ እዮም ኢሎም።