ብፍልጠትን ክእለትን ዝማዕበለ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ጉዕዞ ዕቤት ኢትዮጵያ ምቅልጣፍ ይግባእ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 4/2018(ኢዜኣ) ብፍልጠትን ክእለትን ዝማዕበለ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ጉዕዞ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ምቅልጣፍ ከምዝግባእ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።
መናእሰይ ዝሓሸ ፍልጠትን ክእለትን ተዓጢቖም ናብ ዕዳጋ ስራሕ ዝኣትዉሉ ዓቕሚ ዘዕቢ ሓዱሽ ስትራቴጂ ቴክኒክን ሞያን ዕላዊ ኮይኑ።



ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ሓዱሽ ስትራቴጂ ቴክኒክን ሞያን ፍትሓዊነትን ተበፃሕነትን ብምስፍሕፋሕ ፅሬት ስልጠና ንምርግጋፅ ወሳኒ እጃም ኣለዎ።
ፈጠራን ዕዳጋን ስራሕ፣ዓቕሚ ዲጂታል ፍልጠትን ክእለትን ብምዕባይ ኣጠዓዒምካ ንምምራሕ ብዘኽእል መልክዑ ከምዝተዳለወ ሓቢረን።
ኣብ ከይዲ ትግበራ እቲ ሓዱሽ ስትራቴጂ እውን ተረባሕነት መናእሰይ ንምርግጋፅ ምትሕብባር መንግሥቲ፣ዓውዲ ውልቀን መዳርግቲ ኣካላትን ምጥንኻር የድሊ ኢለን።



ትካላት ስልጠናን ትምህርትን ቴክኒክን ሞያን ጉዕዞ ዕቤት ኢትዮጵያ ዘቀላጥፍ ብፍልጠትን ክእለትን ዝማዕበለ ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስራሖም ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ተዛሪበን።
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ክልላትን ዓውዲ ውልቀን ከምኡ እውን ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓት ብምትሕብባር ዘዳለዎ እዚ ስትራቴጂ፤ ፅሬት ስርዓት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ኢትዮጵያ ዘመሓይሽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም