ፊልም "ስለ እናት ምድር" ኣህጉራዊ ሽልማት ተዓዊታ - ኢዜአ ትግርኛ
ፊልም "ስለ እናት ምድር" ኣህጉራዊ ሽልማት ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 4/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ፍቕሪ ሃገርን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣድሂባ ዝተሰርሐት ፊልም "ስለ እናት ምድር" (For Love, For Land, For power) ሽልማት ፊልም ኣካዳሚ ኣፍሪካ ተዓዊታ።
መበል 21 ሽልማት ፊልም ኣካዳሚ ኣፍሪካ (AMAA 2025) ኣብ ናይጀርያ ሌጎስ ተኻይዱ።
ኣብ ፍቕሪ ሃገርን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ጠመተ ዝገበረትን ብዳይሬክተር ቴዎድሮስ ተሾመ ዝተዳለወትን ፊልም "ስለ እናት ምድር" (For Love, For Land, for power) ብዘፈር ምድብ ስእላዊ ፅልዋ (Visual Effects) ተዓዊታ።
እቲ ሽልማት ዳይሬክተር እታ ፊልም ኣይተ ቴዎድሮስ ተሾመ ተቐቢሎምዎ።
ኣብ 2016 ዝተመረቐት እዛ ፊልም፤ ኣብ ፍቕሪ ሃገርን ህይወት ሰራዊት ምክልኻልን ዝጠመተት እንትትኸውን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልኡላውነት ሃገር ንምሕላው ብፍላይ ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ሉኣላውነት ንምኽባር ዝኸፈሎ ዘይተኣደነ ዋጋ እተርኢ እያ።
ኣብታ ብስነጥበባዊ ቴዎድሮስ ተሾመ ዝተዳለወት ፊልም “ስለ እናት ምድር” 30 ሽሕ ሰባት ተሳቲፎም።
ነቲ መድረኽ ዝመርሐት ውርይቲ ጋዜጠኛን ኣዳላዊትን ቪምባይ ሙቲንሂሪ፤ ካብታ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአት ኢትዮጵያ ክንመሃረሉ ዝግባእ ብዙሕ ጉዳይ ኣለና ክትብል ገሊፃ።
ኢትዮጵያውያን ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ዝሃነፅዎ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ፤ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ቀረብ ሓይሊ ክተማልእ ከምዝኸኣለትን ከምዚ ዓይነት ተሞኩሮ ንናይጄረያ ኣገዳሲ ከምዝኾነን ብምግላፅ እንኳዕ ደስ በለኩም ክትብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።
“ስለ እናት ምድር” ሽልማት ካብ ዝተውሃበትሎም 26 ዓውድታት ኣብቶም 8 ሕፁይቲ ኮይና ቀሪባ።