ሓይሊ ኣየር ልኣላዊነት ሃገር ኣብ ምኽባር ዘኹርዕ ታሪኽ ኣለዎ-ሌ/ጄኔራል ይልማ መርዳሳ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓይሊ ኣየር ልኣላዊነት ሃገር ኣብ ምኽባር ዘኹርዕ ታሪኽ ኣለዎ-ሌ/ጄኔራል ይልማ መርዳሳ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 4/2018 (ኢዜኣ) ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ልኣላዊነት ሃገር ኣብ ምኽባር ወናኒ ዘኹርዕ ታሪኽ ከምዝኾነ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።
ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዝተመስረተሉ መበል 90 ዓመት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ እዩ ዝርከብ።
ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ ፓነል ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ሓይሊ ኣየር ልኣላዊነት ሃገር ኣብ ምኽባር ዘኹርዕ ታሪኽ ዘለዎን ብዙሓት ጀጋኑ ዘፍረየን ትካል እዩ።
እቲ በዓል ምስረትኡ እውን ሙሉእ ምድላው እቲ ሓይሊ ኣየር ከምኡ እውን ዝፈጠሮ ዓቕሚ ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ዘተ ፓነል፤ እቶም ዋና ኣዘዚ ሓዊሱ ላዕለዎት መኮንናት እቲ ሓይሊ ኣየርን ኣባላት እቲ ሰራዊትን፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዳማ ኣይተ ሃይሉ ጀልዴን ካልኦትን ከምዝተረኸቡ ኦንላይን ሚድያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።
እቲ በዓል ምስረታ፤ "ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምልክት ነፃነትን ሓድነትን"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ደረጅኡ ብዝሓለወ ኤክስፖ ኣቪዬሽን፣ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ምርኢት ኣየርን ብዝተፈላለዩ ምድላዋትን ከምዝኽበር እውን ተገሊፁ።