ጠንቂ ጎንፅታትን ዘይምርድዳእን ብምኽክር ንምፍታሕ ብሓባር ክንሰርሕን ኣብታ ሃገር ንዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ምርድዳእን ብሓባር ምትጋህ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ጠንቂ ጎንፅታትን ዘይምርድዳእን ብምኽክር ንምፍታሕ ብሓባር ክንሰርሕን ኣብታ ሃገር ንዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ምርድዳእን ብሓባር ምትጋህ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 4/2018 (ኢዜኣ) ጠንቂ ጎንፅታትን ዘይምርድዳእን ብምኽክር ንምፍታሕ ብሓባር ክንሰርሕን ኣብታ ሃገር ንዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ምርድዳእን ብሓባር ምትጋህ ይግባእ ክብል ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ገሊፁ።
"ሃይማኖታት ንሰላም፣ሓድነትን ሕብረትን"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ 5ይ ሃገራዊ ዋዕላ ሰላም ተዛዚሙ።
ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ክብርታት ምትሕብባር፣ምትሕግጋዝን ምክብባርን ዝፀንሑን ሕዚ እውን ዘለዉን ሃፍቲ ኢትዮጵያውያን እዮም ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ክብርታታ ብምዕቃብን ሃገራዊ ሓድነትን ምትሕብባርን ብምጥንኻርን ምልክት ብዙሕነት ዝኾነት ሃገር ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምውራስ ናይ ኩላትና ሓላፍነትን እምነትን እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ብፍላይ ድማ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ህንፀት ሰላም ብምስራሕ ሰናይነት ብምምሃርን ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ዕቤት ሃገር ንምጥንኻርን ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እውን ጠንቅታት ጎንፅን ዘይምርድዳእን ብምኽክርን ምርድዳእን ካብ መሰረቱ ብምፍታሕ ንዘላቒ ሰላም ሃገርን ብሄራዊ ምርድዳእን ክንተግህ ይግባእ ኢሎም።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ዶክተር ኬይረን ተዘራ ብግደኦም፤ ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅን ዕብየትን ብልፅግናን ሃገርና ንምግሃድን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተስፋ ዘለዎም ምዃኖም ገሊፆም።
ስለዝኾነ እውን እዞም ፕሮጀክትታት ዕዉታት ንኽኾኑ ኣብ ኩሎም ከባብታት ዘተኣማምን ሰላምን ምርግጋዕን ምፍጣር፣ኣብ መስርሕ ልምዓትን ህንፀት ሃገርን ብንጥፈት ምስታፍን ንተግባራዊነቱ ድማ ፃዕሪ ምግባርን ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ፤ ጉዳይ ሰላም መሰረት ኩሉ ስለዝኾነ ብምክብባር፣ ምትሕብባር፣ሕድ ሕዳዊ ምትሕግጋዝን ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻርን ንልምዓትን ብልፅግናን ሃገር ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም።
ኣብቲ ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝተኻየደ ዋዕላ ካብ ኩለን ዞባታትን ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ጉባኤ ሃይማኖት፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ዓበይቲ ዓድን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።