መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር፣ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ሓቛፊ ተረኽ ንምህናፅን ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር፣ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ሓቛፊ ተረኽ ንምህናፅን ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር፣ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ሓቛፊ ተረኽ ንምህናፅን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ ምሕላው ዘኽእል ዓቕሚ ዘለዎም ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ንምፍጣር ዝዓለመ ማእኸል ልህቀት ሚድያ ኢትዮጵያ ምጥያሹ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ማእኸል ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽን ዲሞክራስን ዝጠመተ ካልኣይ ዙር ስልጠና ኣጀሚሩ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዙርያ ሃገራዊ ኣረኣእያ ልዑል ግንዛበ ንክህልዎም እቲ ስልጠና ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ብብርኪ ሃገር ኣብ ኩሎም ዓውድትታ ዝተጀመሩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ጎሊሆም ንክረኣዩ ከምኡ እውን ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ብዝበለፀ ንከረጋግፁ ሰብ ሞያ ኣብ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ስራሕ ንክሰርሑ ከምዘኽእል ሓቢሮም።
እቲ ዝተጀመረ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ጋህዲ ንክኸውንን እቲ ልምምድ እውን እቲ ህዝቢ ንክርደኦን ኣብ ምግባር እቲ ማእኸል ልህቀት ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባርን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዋላ ሓንቲ ኣፈላላይ ክህልዎም ከምዘይግባእ እውን ኣረዲኦም።
ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ኩሎም መራኸብቲ ሓፋሽ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብ ዙርያ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ቅዋም ምህናፅ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሳምሶን መኮንን (ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ማእኸል ልህቀት ብሄራዊ ረብሓ ማእኸል ዝገበረ በዓል ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምፍራይ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።
ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ዝኾኑ ሰላማዊት ወንድወስንን መስፍን ፈለቀን ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ እውን፤ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ተረዲኦም ምሕላው ንክኽእሉ ዓብይ ዕድል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።