ሪፎርም ትካላት ዲሞክራስን ፍትሕን ኢትዮጵያ ዘላቒ ዲሞክራስን ሰላምን ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሪፎርም ትካላት ዲሞክራስን ፍትሕን ኢትዮጵያ ዘላቒ ዲሞክራስን ሰላምን ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018 (ኢዜኣ) ሪፎርም ትካላት ዲሞክራስን ፍትሕን ኢትዮጵያ ህንፀት ዘላቒ ስርዓት ዲሞክራስን ዘተኣማምን ሰላምን ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 3ይ ፎረም ሃገራት በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) “ሰላምን ድሕንነትን ንምጥንኻር እጃም ብሄራዊ ትካላት ዲሞክራሲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢጋድ ዓቕሚ ኣባል ሃገራት ብምህናፅ ዞባዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ፃዕሪ እናገበረ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ ትካላት ፍትሕን ዲሞክራስን ዝተገበሩ ሪፎርማት ህንፀት ዘላቒ ስርዓት ዲሞክራስን ዘተኣማምን ሰላምን ንምርግጋፅ ወሰንቲ እዮም ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሰላም ብዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ኖቬል ሽልማት ሰላም ምርካቦም ብምዝኽኻር፤ ብፍልስፍና መደመር ጠንካራ ትካላት ፍትሕን ዲሞክራስን እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ሰላም ውፅኢት ዘላቒ ትካላት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ካብ ባዕላ ሓሊፎም ኣብቲ ዞባ ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅ ዘኽእሉ ትካላዊ ሪፎርማት ምግባራ እውን ኣረዲኦም።
ጂኦ ስትራቴጂ ኢትዮጵያ ንሃገራት እቲ ዞባ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ኣወንታውን ኣሉታውን ስራሕቲ ንጎረቤት ሃገራት እውን ከምዝተርፍ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ዝተሳለጡ ሪፎርማት ትካላት ፍትሕን ዲሞክራስን ፅባሕን ህንፀት ዘላቒ ስርዓት ዲሞክራስን ዘተኣማምን ሰላምን ሃገራት እቲ ዞባን ኣብ ግምት ዘእተዉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
እቶም ሃገራዊ ሪፎርማት ኣብ ጎረቤት ሃገራት ኣወንታዊ ፅልዋ ብምፍጣር ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽሩ እዮም እውን ኢሎም።