ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ንክህቡ ዝተፈቐደሎም ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018(ኢዜኣ) ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ንክህቡ ዝተፈቐደሎም ስም ዝርዝር ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ዕላዊ ገይሩ።
ብመሰረት እዚ እውን እቲ ባንኪ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፤ ቅድም ኢሉ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ከይህብ ተኣጊዱ ዝነበረን ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቪርጂኒያ ኣብ ፎልስ ቸርች ዝርከብን ራማዳ ፔይ (ካህ) ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ሓፈሻዊ ግምገማ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ውሽጢ ስም ዝርዝር ሕጋዊ ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ዳግማይ ንክምዝገብ ከምዝተገበረ ገሊፁ።
ኣብዚ ውሳነ ክብፃሕ ዝተኽኣለ ብመሰረት ሕግን ደንብን እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ኣድላይ ከይዲ ቁፅፅርን ክትትልን ድሕሪ ምዝዛሙ እዩ ይብል እቲ መግለፂ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ንከይህቡ ተኣጊዶም ዝርከቡ ኩሎም ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ሕግን ደንብን እታ ሃገር ዝሓቶ ረቛሒ ንምምላእ ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስዱ ኣተሓሳሲቡ።
ዕላማ ብሄራዊ ባንኪ ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ብግልፅን እቲ ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረትን ጥራሕ ንክሰርሑ ደገፍ ምግባር ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።
ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ገንዘብ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓላለፍሉ እዋን ሕጋውን ግልፅን ዝኾነ ኣካይዳ ምኽታሎም ከረጋግፁ ከምዘለዎም ሓቢሩ።
ገንዘብ ሕጋዊ ፍቓድ ብዝተውሃቦም ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ምልኣኽ እቲ ገንዘብ ድሕንነቱ ተሓልዩን ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ኣሸባሪነትን ብገንዘብ ምድጋፍ ዝፃረር ኣሰራርሓ ተኸቲሉን ናብ ተቐባሊ ንክበፅሕ ከምዝገብር ኣብቲ መግለፂ ኣመላኺቱ።
እቲ ህዝቢ እውን ፍቓድ ዝተውሃቦም ትካላተ መተሓላለፍቲ ገንዘብ ፈልዩ ንምፍላጥ ንክኽእል ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ስም ዝርዝር ሕጋዊ ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ብድሕረ ገፅ https://nbe.gov.et/mta/ ዕላዊ ምግባሩ ገሊፁ።



ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣገልግሎት ሓዋላ ንምትብባዕን ጥዕና ዘለዎ ዕቤት ዓውዲ ፋይናንስ ንምድጋፍን ዝሕግዝ ድሕንነቱ ዝተሓለወ፣ግልፅን ቅልጡፍን ምህዳር ፋይናንስ ንክህሉ ብትግሃት ምስርሑ ከምዝቕፅለሉ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም