መዓልቲ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መዓልቲ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018(ኢዜኣ) መዓልቲ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ 7 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ክኽበር እዩ።
እቲ መዓልቲ፤ ብምትሕብባር ኣብ ትሕቲ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከብ ኢንሼቲቭ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ፣ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን፣ኣገልግሎት ድሕንነት መንገድን ፈንድ መድሕንን ከምኡ እውን ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኢሲኤ) ዝተዳለወ እዩ።
ብመሰረት ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2012 ዘሕለፎ ውሳነ እቲ መዓልቲ በቢዓመቱ ዝኽበር እንትኸውን ምስ መዘከርታ ጉዱኣት ሓደጋ ትራፊክ ዓለም ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።
እቲ መዓልቲ ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ ሂወቶም ዝሰኣኑን ዝተጎድኡን ሰባት ዝዝከርሉን ብብርኪ ኣፍሪካ ድሕንነት መንገድን ዘላቒ ምንቅስቓስ ትራንስፖርትን ንምርግጋፅ ሃገራት ሓባራዊ ቆራፅነተን ዝገልፃሉን እዩ።
ካብ ተሽከርከርቲ ዓለም ትሕቲ 4 ሚኢታዊ ዝርከበላ ኣፍሪካ፤ ኣፍሪካ 25 ሚኢታዊ ሓደጋ ትራፊክ ዓለም ከምዝምዝገበላ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ።
ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ 2 ሚኢታዊ ዝኸውን ዓመታዊ ጥሙር ፍርያተን(ጂዲፒ) ወፃኢ ከምዝገብራ እውን እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።
ኢንሼቲቭ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ ኣብ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ቁፅፅር ምጥንኻርን ኣብ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት “Safe System”ዝተብሃለ ዘበናዊ ስርዓት ድሕንነት መንገዲ ናይ ምልላይ ስራሕን ኣብቲ መዓልቲ ከምዘሳልጥ እውን ሓቢሩ።