ቆራፅነት ህዝብን ጥንካረ ኢንዱስትርን ከተማ ደብረ ብርሃን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ መርኣያ እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ቆራፅነት ህዝብን ጥንካረ ኢንዱስትርን ከተማ ደብረ ብርሃን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ መርኣያ እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018(ኢዜኣ) ቆራፅነት ህዝብን ጥንካረ ኢንዱስትርን ከተማ ደብረ ብርሃን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ መርኣያ ከምዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ክልል ኣምሕራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝተሃነፀ ፋብሪካ መፍረዪ ብቑሊን ኣልማዒ ምግብን ብራውን ፉድ መሪቖም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ከተማ ደብረ ብርሃን ኣብ ፈጠራ፣ ኢንተርፕራይዝን ልምዓት ኢንዱስትሪን ውፅኢት እናመዝገበት እያ ትርከብ።
ቆራፅነት ህዝብን ጥንካረ ኢንዱስትርን ከተማ ደብረ ብርሃን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ መርኣያ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።
ብመሰረት ግልፂ ሽቶን ኣረኣእያን ናይ መደመር መንግሥቲ ስራሕ ብምፍጣርን ምስፋሕን ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ኢኮኖሚ እናተሃነፀ እዩ ኢሎም።
ማእኸልነት ኢንዱስትሪ ደብረ ብርሃን ክልል ኣምሓራ ዓቕሚ ዓርሰ ምትእምማን መፍረያይነት ብምህናፅ ፋብሪካ ካብ ምህናፅ ዝተሳገረ ህያው መሰረት ሓዱሽ ዘበን ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ክልል ኣምሓራ ብልሙዕ ሓመድ፣ህርኩትን ፈታዊ ስራሕን ህዝቢ ከምኡ እውን ጥበበኛታት ኣእዳው ዝተሓገዘ ልዑል ዓቕሚ ክለምዕ ከምዘለዎ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ክልል ዝተዓደሎ ዕቑር ፀጋ ልምዓት ብሓረስቶት፣ሰራሕተኛታት፣ፈጠርቲ ስራሕን ዝሓበረ ቅልፅም እቲ ኣመራርሓን ናብ ፀጋ ምቕያር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
መንግሥቲ እውን ዕቤት ኢኮኖሚ ዘሳልጡ ስጉምትታት ፖሊሲ መሰረተ ልምዓትታ መንገድን ቀረብ ሓይልን ብምውሳድ ተወዳዳሪነት ኢንቨስትመንት ኣልማዕቲ ሰብ ሃፍቲ ዘዕቢ ምህዳር እናፈጠረ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ፀጋታት ከባቢ ደብረ ብርሃን ተረባሕነት ዕድል ስራሕ መናእሰይን ዋሕዚ ኢንቨስትመንትን ብምዕባይ ክብሪ መፍረያይነት ከምዘረጋግፁ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኢንቨስትመንትን ዘላቒ ልምዓት ኢንዱስትሪን ዓወት ብምስፋሕን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ብምሃብን ንደብረ ብርሃን ሞዴል ከተማ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ዝተመዝገቡ ዓወትታ ብምቕፃል ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፃ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ምህናፅ፣ምስልጣን፣ ምፍጣርን ምምራቕን ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።
ከተማ ዕቤት መፍረያይነት ክልል ብምቅልጣፍ ዝተረጋግዐ ባህሊ ስራሕን ዘላቒ ስልጣነን ኣብ ምንባር ርኡይ እጃም ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ እውን እኩይ ልኡኽቶ ባንዳን ፀላእን ብፅኑዕ ብምቅዋም ንዕቤትን ብልፅግናን ሃገር መሰረት ዘንብሩ ስራሕቲ ልምዓት ምስፋሕ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።