ዓሰብ ልኣላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምዃኑ ስለንኣምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብሙሉእ ዓቕሚ ንድግፍ ኢና-አርዱፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓሰብ ልኣላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምዃኑ ስለንኣምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብሙሉእ ዓቕሚ ንድግፍ ኢና-አርዱፍ
ሰመራ/ሕዳር 2/2018 (ኢዜኣ) ዓሰብ ልኣላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምዃኑ ስለንኣምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብሙሉእ ዓቕሚ ንድግፍ ኢና ክብሉ ምክትል ኣቦ መንበር ግንባር ኣብዮታዊ ዲሞክራሲያዊ ሓድነት ዓፋር(አርዱፍ) መሐመድ ኣወል ወግሪስ ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ኣብ ቀረባ እዋን እዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ፃዕርታት እናተገበሩ ከምዝርከቡን ምላሽ ከምዝረክብን ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ዝገበሩ ምክትል ኣቦ መንበር ግንባር ኣብዮታዊ ዲሞክራሲያዊ ሓድነት ዓፋር(አርዱፍ) መሐመድ ኣወል ወግሪስ፤ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዝነበራን ወናኒት ወደብ ዓሰብ ምንባራን ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን መንግሥቲ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ሃገራዊ ኣጀንዳ ምግባሩ ትኽክለኛ ውሳነ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ናይ ግድን ኣፍ ደገ ባሕሪ ከምዘድልያ ኣረዲኦም።
ጉዳይ ምርካብ ኣፍ ደገ ባሕርን ምምላስ ዓሰብን ሓባራዊ ቅዋም ህዝቢ ዓፋርን ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፖለቲካን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝርከቡ ዓፋረቶት ኣብ ልዑል ፅዕንቶን ምንግልታዕን ስለዝርከቡ ጉዳይ ምምላስ ዓሰብ ንህዝቢ ዓፋር ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ ኢሎም።