ኢትዮጵያ ማእኸል መፍረይት ኢንዱስትሪ ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልዑል ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ማእኸል መፍረይት ኢንዱስትሪ ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልዑል ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ማእኸል መፍረይት ኢንዱስትሪ ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልዑል ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ታረቀኝ ቡሉልታ ገሊፆም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ታረቀኝ ቡሉልታ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ማእኸል መፍረይት ኢንዱስትሪ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ።
እዚ ድማ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ፍርያታት ብምፍራይ ናብ ወፃኢ ኣብ ምልኣኽ ከምኡ እውን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብፍርያታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ምትካእ ዓብይ ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ከምዝወሰኸ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ዞባታት ፍሉይ ኢኮኖሚ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ዘፍርዩ ዘለዉ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።