ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ልምዓት ኢንዱስትሪ ምዕምባቡ ንልምዓት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ገዚፍ ተደማሪ ዓቕሚ እዩ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ልምዓት ኢንዱስትሪ ምዕምባቡ ንልምዓት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ገዚፍ ተደማሪ ዓቕሚ እዩ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 2/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ልምዓት ኢንዱስትሪ ምዕምባቡ ንልምዓት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ገዚፍ ተደማሪ ዓቐሚ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሎሚ ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ንዝርከቡ ፓርክ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ፋብሪካ ሴራሚክስን ፋብርካ ፐልፕ ወረቐትን ተመልኪቶም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እዞም ዓበይቲ ፋብሪካታት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝጀመርናዮ ሃገራዊ ሪፎርምን ትግበራን ውፅኢት እናተርኣየሉ ከምዝኾነ ህያው ምስክራት እዮም።
ኢትዮጵያ ብፍሉይ ትኹረት ዝሓዘቶ ዓውዲ ምፍራይ ብባህሪኡ ኣብ ምብዛሕ ሃፍትን ምትእስሳር ዘፈራትን ዝፈጥር እዩ ኢሎም።
ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝተመልከትናዮም ፋብሪካታት ኣፍረይቲ ብምዃኖም ሓዱሽ ሃፍቲ ናብቲ ኢኮኖሚ ከምዝድምሩ እውን ፀሪሖም።
ኣብ ምትእስሳር ዓውድታት እውን ፍርያት እቲ ሓደ ንካሊእ እታወት ዝኸውንን ብፍላይ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምድሓንን ልዑል እጃም ዘወፍዩ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ሰላምን ትግሃትን እንተሃልዩ ፋብሪካታት ንልምዓት፣ዜጋታት ንለውጢ፣ሃገር እውን ናብ ዘላቒ ምዕባለ ከምዝስጉሙ ዞባ ሰሜን ሸዋ መርአያ እዩ፡፡
ኣብቲ ዑደት፤ ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኣኩ ኣለበል፣ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ክልልን ፌዴራልን ተሳቲፎም።