ከተማታት ንነበርቲ ምችዋት ንክኾናን ተወሳኺ ኣታዊ ምርካብ ንከኽእላን ትኹረት ተገይሩ እዩ-ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ - ኢዜአ ትግርኛ
ከተማታት ንነበርቲ ምችዋት ንክኾናን ተወሳኺ ኣታዊ ምርካብ ንከኽእላን ትኹረት ተገይሩ እዩ-ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2018(ኢዜኣ) መንግስቲ ከተማታት ንነበርቲ ምችዋት ንክኾናን ተወሳኺ ኣታዊ ምርካብ ንከኽእላን ትኹረት ከምዝገበረ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።
መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ካብ 6 ክሳብ 10 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሎጊያ ክካየድ እዩ።
ኣከባብራ እቲ በዓል ኣመልኪተን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂበን።
ኣብ መግለፂአን እውን፤ ኣብቲ መበል 10 ፎረም ከተማታት ልዕሊ 150 ከተማታት ዝሳተፋ እንትኸውን ካብ ጎረቤት ሃገራት ዝመፁ ሓለፍቲ ኣሓት ከተማታት እውን ከምዝሳተፉ ተዛሪበን።
"ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ኢትዮጵያ"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እዚ ፎረም፤ መንግስቲ ከተማታት ንምምዕባል ዘሳልጦም ዘለዉ ጉዳያት ተላዒሎም ከምዝዝተየሎምን ልምዲ ልውውጥ ከምዝግበረሎምን ኣረዲአን።
ምልዋጥ ከተማታት መርኣያ ዕቤት ሃገር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣብ ምንቕቃሕ ከምዝኾና ሓቢረን።
መሰረተ ልምዓት ከተማታት ንምምላእ ዝተፈላለዩ ስራሕ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ልምዓት ኮሪደር ከም ኣብነት ፀሪሐን።
ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ልዕሊ 73 ኣብ ዝኾና ከተማታት እናተሳለጠ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ መንግሥቲ ከተማታት ንነበርቲ ምችዋትን ተወሳኺ ኣታዊ ምርካብ ዘኽእላን ንክኾና እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢለን።