መንገድታት እታ ከተማ ምችውን ዝተሳለጡን ንምግባር ዘኽእሉ ልዕሊ 110 ፕሮጀክትታት ብፍሉይ ትኹረት እናተሳለጡ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
መንገድታት እታ ከተማ ምችውን ዝተሳለጡን ንምግባር ዘኽእሉ ልዕሊ 110 ፕሮጀክትታት ብፍሉይ ትኹረት እናተሳለጡ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2018 (ኢዜኣ) ድሕንነት መንገዲ እታ ከተማ ንምሕላው ከምኡ እውን ምንቅስቓስ ምችውን ዝተሳለጠን ንምግባር ዘኽእሉ 111 ዝተፈለላዩ ስራሕቲ ህንፀት ሓደሽትን ፅገናን መንገድታት ኣብዚ በጀት ዓመት ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም እናተሳለጡ ከምዝኾኑ በዓል መዚ መንገድታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
እቲ በዓል መዚ መሰረተ ልምዓት መንገዲ እታ ከተማ ናይ ምህናፅ፣ምፅጋንን ምምሕዳርን ሓላፍነት ወሲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ በዓል መዚ ኢያሱ ሰሎሞን ንኢዜኣ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢ 111 ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ህንፀት ኣብ ስራሕ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ካብዚኣቶም እቶም 31 ሓደሽቲ ምዃኖም ተዛሪቦም።
ኩሎም ፕሮጀክትታት ብሓፈሻ 291 ንጥቢ 8 ኪሎ ምትር ከምዝሽፍኑ ብምግላፅ፤ ልዕሊ 30 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝግበረሎም ኣረዲኦም።
ድሕንነት መንገዲ እታ ከተማ ንምሕላው ከምኡ እውን ምንቅስቓስ ምችውን ዝተሳለጠን ንምግባር ስራሕቲ ፅገና መንገዲ ኣብዚ በጀት ዓመት ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎም እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ብሓፈሻ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ፅገናን ህንፀትን መንገዲ ምንቅስቓስ ትራፊክ ካብ ምስላጥ ብተወሳኺ እዋን ጉዕዞ ኣብ ምቕናስ ኢሉ እውን ነዳዲ ኣብ ምቑጣብ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም።