መናእሰይ ስራሕቲ ፈጠራ ብምምዕባል ኣብቲ ዓውዲ ውፅኢታውን ተወዳዳርን ክኾኑ ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2018(ኢዜኣ) መናእሰይ ፀገም ማሕበረሰብ ዝፈትሑ ስራሕቲ ፈጠራ ብምምዕባል ኣብቲ ዓውዲ ውፅኢታውን ተወዳዳርን ክኾኑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣየለች እሸቴ ገሊፀን 
መርሃ ግብሪ ምጅማር ካብ ሎሚ ጀሚሩ ን4 መዓልትታት ዝካየድ መበል 10ይ ሃገር ለኸ ውድድር ስራሕ ፈጠራ መናእሰይ ተኻይዱ።



እቲ መርሃ ግብሪ ውድድር ኣመልኪተን መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣየለች እሸቴ ከምዝበልኦ፤ መንግሥቲ ዲጂታል ኢትዮጵያ ብዝብል ቅዋም ንሳይንስ፣ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ልዑል ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ብፍላይ ድማ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ሃገር ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ንምጉላህ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ተዛሪበን።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር፤ ምስ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባን መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ዝዳለዉ ውድድር ስራሕ ፈጠራ ሓደ መርኣያ ተገይሩ ከምዝውሰድ ኣብራህሪሀን።
በዚ ውድድር ዝወፁ ስራሕቲ ፈጠራ መናእሰይ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ፍልጠትን ዓቕምን እናዓበየ ምምፅኡ ብተግባር ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።
መናእሰይ ፀገም ማሕበረሰብ ዝፈትሑ ስራሕቲ ፈጠራ ብምምዕባል ኣብቲ ዓውዲ ዝህሉ ተወዳዳሪነት ንከዕብዩ ፃውዒት ኣቕሪበን።
መናእሰይ ፀገም ማሕበረሰብ ዝፈትሑ ስራሕቲ ፈጠራ ብምምዕባል ኣብቲ ዓውዲ ውፅኢታውን ተወዳዳርን ክኾኑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም እውን ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም