ዘይሕጋዊ ሽርሒ ሸርፊ ወፃኢ ክፍፅሙ ዝተበፅሐሎም 112 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2018(ኢዜኣ) ብዝተዋደደ መንገዲ ዘይሕጋዊ ሽርሒ ሸርፊ ወፃኢ ክፍፅሙ ዝተበፅሐሎም 112 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።
እቲ ኣገልግሎት ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ከምዝገለፆ፤ መንግሥቲ ተግባራዊ ዝገበሮ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምፅራር ኣብ ልዕሊ ብዝተወደበ መንገዲ ዘይሕጋዊ ሽርሒ ሸርፊ ወፃኢ ዝፍፅሙ ብዝተዋደደ መልክዑ ሚስጥራዊ ወፍሪ ሓበሬታ ክሳለጥ ፀኒሑ እዩ።
ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ፣ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ፣ኣካላት ፀጥታ ክልልን ጥቆማ ሕብረተሰብን ብዝገበርዎ ዝተዋደደ ወፍሪ ኣብ ሽርሒ ፋይናንስ 112 ኢትዮጵያውያንን ዜግነት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዎምን ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም፤ ምስቲ ዘይሕጋዊ ስራሕ ምትእስሳር ዝነበሮም 519 ኣካውንትታት ባንኪ ምእጋዶም ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ኤግዚቢታት ከምዝተትሓዙ እቲ መገለፂ ኣፍሊጡ።



ዘይሕጋዊ ሓዋላታት፣ዝውውራት ገንዘብ፣ስራሕቲ ሸርፊ ወፃኢ፣ስራሕቲ ግብሪ፣ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምምስሳልን ካልኦት ተዛመድቲ ገበናትን ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ልዑል ጉድኣት እንተስዕቡ ከምኡ እውን ኣሸበርትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ንምድጋፍ እንትውዕሉ ከምዝረኣዩ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ብፍላይ ድማ ሕጋዊ ኣብ ዝኾኑ ዓለም ለኸ መተሓላለፍቲ ትካላት፣ዘይሕጋዊ መተግበሪታት መተሓላለፍቲ ሸርፊ ወፃኢ፣መተግበሪታት ክሪፕቶ ከረንሲ፣ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሓዋላን ደላሎን፣ኣብ ንግዲ ኣታውን ወፃእን ሽርሒ ዝፈፀሙ ለኣኽትን ኣምፃእትን ከምኡ እውን ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘይብሎም ኣብ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ብምውፋር ልዑል ገንዘብ ብምንቅስቓስ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ልዑል ጉድኣት ኣብ ዘብፅሑ ኣካላት ዘየዳግም ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ገሊፁ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝልእኽዎ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ንከይኣትው መምርሒ ብሄራዊ ባንኪ ብዝጥሕስ ኩነታት ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ልዑል ጉድኣት ከብፅሑ ዝፀንሑ ሕጋዊ ፍቓዶም ብዝፈፀምዎ ተደጋጋሚ ጥፍኣት ብብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝተሰረዞም ዓለም ለኸ መተሓላለፍቲ ሓዋላን ዘይሕጋዊ ትካላት ሓዋላን ስጉምቲ ካብ ዝተወሰደሎም እዮም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይሕጋዊ መተግበሪታት መተሓላለፍቲ  ሸርፊ ወፃኢ ብምጥቃም ሃፍቲ ናብ ሃገር ኣብ ምውፃእ ዘለዉ ወነንቲ ትካላት እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም እዮም ኢሉ እቲ መግለፂ።



ሕጊ ብሄራዊ ባንኪ ብዝጥሕስ ኩነታትን ብዘይ ፍቓድ መተግበሪ ክሪፕቶ ከረንሲ ብምጥቃም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሸርፊ ወፃኢ ከዘዋውሩ ኣብ ዝነበሩ ኣካላት እውን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣመላኺቱ።
ኣብ ብሄራዊ ረብሓ እታ ሃገር ብምንፅፃር ክፍፀም ዝፀንሐ ኢኮኖሚያዊ ሽርሒ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መንግሥቲ ንምትእጉጓል፣ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ቅሬታ ንክሓድሮ ከምኡ እውን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንከየንሰራርእ ብዝተዋደደ መንገዲ እናፈፀሙ ከምዝነበሩ እውን ሓቢሩ።
ድሕንነት ሃገር ኣብ ስግኣት ኣብ ዘውድቑን ኢኮኖሚ ሃገር ኣብ ዝጎድኡን ሽርሕታት ተሳታፊ ዝኾኑ ኣካላት ብምክትታል ዘየዳግም ስጉምቲ ንምውሳድ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረዲኡ።
እቲ መግለፂ፤ መላእ ፈታዊ ሃገሩ ዜጋ ተዛመድቲ ገበናትን ገበነኛታትን ኣብ ምቅላዕ ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም