ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ንምቕፃል ልዑል እጃም ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ልምዓትን ንምቕፃል ኢሉ እውን ዞባዊ እጃም ንምጉላህ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብዙኣየሁ ደገፋ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረብሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ጉዳይ ቀይሕ ባህሪ ሕጋዊ፣ታሪኻዊ፣መልክኣ ምድራዊ(ጂኦግራፊያዊ)ን ኢኮኖሚያውን ሕቶ ከምዝኾነ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብዙኣየሁ ደገፋ(ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ መንገዲ ሕጋውን ታሪኻውን ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ልምዓትን ንምቕፃል ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዞባዊ ሓባራዊ ተረባሕነት እውን ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ተቐባልነት እናረኸበ ምምፅኡ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ለውጢ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ኢሉ እውን ንልምዓትን ዕቤትን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ምርካብ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብ ባዕላ ሓሊፋ ንጎረቤት ሃገራትን እቲ ዞባን ንክትሕግዝ ከምዘኽእላ ዝገለፁ ብዙኣየሁ ደገፋ(ዶ/ር)፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንዞባዊ ምትሕብባርን ልምዓት ሓይልን ዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ከም ኣብነት ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም