ንስርናይ መስኖ ሓጋይ ቀረብ ሙሩፅ ዘርእን ማዳበሪያን ብሰፊሑ እናተሳለጠ እዩ-ሚኒስቴር ግብርና - ኢዜአ ትግርኛ
ንስርናይ መስኖ ሓጋይ ቀረብ ሙሩፅ ዘርእን ማዳበሪያን ብሰፊሑ እናተሳለጠ እዩ-ሚኒስቴር ግብርና
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2018(ኢዜኣ) ንስርናይ መስኖ ሓጋይ በጀት ዓመት 2018 ፍርያትን መፍረያነትን ዘዕብዩ ቀረብ ሙሩፅ ዘርእን ማዳበሪያን ብሰፊሑ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ።
ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ዝራእቲ ኢሳያስ ለማ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ስርናይ መስኖ ሓጋይ እዚ በጀት ዓመት 4 ነጥቢ 29 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብምሕራስ 175 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምፍራይ ብምትላም እናተሰርሐ እዩ።
ኣብዚ ዓመት ስርናይ መስኖ ሓጋይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበሮ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ወሰኽ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣብ ስርናይ መስኖ ሓጋይ እዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 767 ሽሕ ሄክታር መሬት ብምሕራስ ልዕሊ 359 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እውን ብብርኪ ሃገር ኣብ ስርናይ መስኖ ሓጋይ ዝተረኸበ ልምዲ ብዝበለፀ ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ብዘኽእል መልክዑ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
ነዚ ድማ ቀረብ ማዳበሪያ፣ሙሩፅ ዘርእን ፓምፕታት ማይን ተበፃሒ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።