እቲ ኣመራርሓ ብቆራፅነት፣ ብፈጠራ፣ ብቕልጣፈን ብፅሬትን ምስራሕ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ኣድላይ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 30/2018(ኢዜኣ) እቲ ኣመራርሓ ብቆራፅነት፣ ብፈጠራ፣ ብቕልጣፈን ብፅሬትን ምስራሕ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ኣድላይ እዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
“ብኣረኣእያ ናይ መደመር መንግስቲ፤እመርታ ዓውድታት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ፌዴራል፣ክልል፣ዞባ ከምኡ እውን ምምሕዳር ከተማታት ንዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ንተኸታተልቲ 11 መዓልትታት ክወሃብ ዝቐነየ ስልጠና ተዛዚሙ።


እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ እቲ ኣመራርሓ ብቆራፅነት፣ብፈጠራ፣ብቕልጣፈን ብፅሬትን ምስራሕ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ኣድላይ እዩ።
ኣብቲ ስልጠና ፅንሰ ሓሳብ፣መንገድን መብፅሒ ሽቶታትን ናይ መደመር መንግሥቲ ዝተዳህሰሱ እንትኸውን በዚ ድማ ኣመራርሃ ብቅዋም ናይ መደመር መንግስቲ ዝምራሕ ፓርቲ ብልፅግና ብፈጠራ፣ቅልጣፈን ብበዝሕን ስራሕቲ ብምስላጥ ኩለ መዳያዊ ሕቶ ህዝብና ካብ ምምላስ ብተወሳኺ ራኢ ሃገርና ንምዕዋትን ኩለ መድያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ብዝሕግዝ መንገዲ ክመርሑ ይግባእ ኢሎም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ቆላሕታ ዝደልዩ ሽቶታት በብዓውዱ ብምፍላይ ኣንፈት ዘቕመጡ እንትኸውን ፋይዳ፣5 ሚሊዮን ኮደርስ፣ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር፣ፕሮጀክትታት መኣዲ ንወለዶ፣ድልውነት መረፃን ኣጀንዳታት ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስን  ብ100 ፐርሰንት ምዕዋት ዝግብኡና እዮም ክብሉ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ አሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ መዛዘሚ ገለፅኦም ከምዘብራህርህዎ፤ ምድማር ወለዶ ናብ ብልፅግና ዘብፅሕ መንገዲ እዩ።
ናይ መደመር መንግስቲ ንብልፅግና ሃገር በዓል ሓደራ ከምዝኾነ ብምግላፅ  ብፈጠራን ብቕልጣፈን ፅፈትን በዝሕን ጋህዲ ምግባር ይግባእ ኢሎም ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ብኩለ መድያዊ ዘፈር ምትእስሳር ናብ ስግግር ስልጣነ ምምፃእ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም።
ልኣላዊነት ሓሳብ ናይ ብልፅግና መሰረት ከምዝኾነ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ኩሎም ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ በዚ ኣግባብ ብምትጋህ ኹለ መዳያዊ ብልፅግና ከረጋግፁ ይግባእ ኢሎም።



ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሓለፉ 11 መዓልትታት ብስልጠና፣ብዘተ፣ብዑደት ስራሕን ኣብ መዛዘሚ ገለፃ ዝረኸብዎምን ፍልጠትን ልምድታትን ኣብ ትልሞም ብምምላእን ናብ ስራሕ ብምቕያርን ኹለ መዳያዊ ምዕባለ ሃገርና ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም ንክዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም