ንኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ፕሬዚዳንት እቲ ፓርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዝሃብዎ መምርሒ ስራሕ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 30/2018(ኢዜኣ) ንኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ፕሬዚዳንት እቲ ፓርትን ቀዳማይ ሚኒስትር  ፌዴሪኢን ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዝሃብዎ መምርሒ ስራሕ ተዛዚሙ።
ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምዝበልዎ፤ “ብኣረኣእያ ናይ መደመር መንግስቲ፣እመርታ ዓውድታት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 19 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማታት ኣዳማን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዝሃብዎ መምርሒ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ብዓወት ተዛዚሙ።



እቲ ስልጠና ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ከባቢ 2000 ዝኾኑ ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ዝተሳተፍሉን ሓድነት ኣተሓሳስባ ኣብ ምፍጣርን ተግባራዊ ኣፈፃፅማ ኣብ ምዕባይን ልዑል ፋይዳ ዝተረኸበሉን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ፓርቲ ብልፅግና ሓቃዊ መርኣያ ሕብረ ብሄራዊነት ከምዝኾነ ብጭቡጥ ዝተርኣየሉ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።



እዚ መርሃ ግብሪ ስልጠና ካብ ምድላው ክሳብ ገለፃ፣ ጉጅላዊ ዘተ፣ልውውጥ ተሞኩሮ፣ዑደት ስራሕቲ ልምዓትን ክሳብ መዛዘሚኡን ዕላምኡ ብትኽክል ኣዐዊቱ ንክዛዘም ሓላፍነቶም ንዝተዋፅኡ መትሓባበርቲ፣ኣሰልጠንቲ፣መዛተይቲ፣ትካላት ፀጥታ፣ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኦሮሚያን ዝተፈላለዩ ትካላቱን፣ምምሕዳር ከተማ ኣዳማ፣ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ተሳተፍቲ እቲ ስልጠናን ንዘበርከትዎ ልዑል ኣስትዋፅኦ ብሽም ፓርቲ ብልፅግና ልባዊ ምስጋና ንምቕራብ ይፈትው ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም