ብኣረኣእያ ናይ መደመር መንግስቲ ኣብ ዓውድታት ዝተረኸበ እመርታዊ ለውጢ ብጭቡጥ ምርኣይ ክኢልና ኢና-ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና - ኢዜአ ትግርኛ
ብኣረኣእያ ናይ መደመር መንግስቲ ኣብ ዓውድታት ዝተረኸበ እመርታዊ ለውጢ ብጭቡጥ ምርኣይ ክኢልና ኢና-ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ብኣረኣእያ ናይ መደመር መንግስቲ ኣብ ዓውድታት ዝተረኸበ እመርታዊ ለውጢ ብጭቡጥ ምርኣይ ክኢልና ኢና ክብሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም።
ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና 2018 ዓ/ም ዓቕሚ ኣባላት እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሃንፁ ርእሰ ጉዳያት ጠሚቱ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተዋሂቡ።
እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ፤ ኣብ መሰረታዊ ዓውድታት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዝኾኑ ኣብ ግብርና፣ቱሪዝም፣ ኢንዱስትሪን ልምዓት ከተማን ዝጠመቱ ስልጠናታት እዮም ወሲዶም።
ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ትማሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሎሚ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ኣብ ግብርናን ልምዓት ከተማን ዝተሳለጡ ስራሕቲ ተዓዚቦም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሃመድ፤ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኩለ መዳያዊ ዓውድታት ትኹረት ብምግባር ብርክት ዝበሉ ዕድላት ምዕዋት ከምዝኸኣለ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ካብቲ ዞባ ሓሊፋ ምስ ሃገራት ዓለም ተወዳዳሪ ናይ ምዃን ዓቕሚ ከምዘለዋን ነዚ ድማ እቲ ኣመራርሓ ብቆራፅነት ንክሰርሕ ምልዕዓል ዝፈጠረ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዑደት፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስሊ ኢትዮጵያ ሓፍ ዘብሉ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠት ከምዝኾነት ምዕዛቦም እውን ኣረዲኦም።
ብኣረኣእያ መደመር ብፈጠራን ብቕልጡፍን ውፅኢታት እናተመዝገቡ ከምዝኾኑ ተዓዚብና ኢና ኢሎም።
ኣብ ኢንዱስትሪ ግብርና፣ልምዓት ከተማታትን ቱሪዝምን ዝተገበሩ ሪፎርማትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን መሰረት መዋቕራዊ ስግግር ኢኮኖሚ ከምዘንበሩ እውን ፀሪሖም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ብግደኦም፤ እቲ ስልጠና ኢትዮጵያ ዘለውዋ ፀጋታት ካብ ባዕላ ሓሊፎም ንካልኦት እውን ዝተርፉ ምዃኖም ዝረኣናሉ እዩ ኢሎም።
ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕትን ብዛዕባ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ልውውጥ ልምዲ ምግባሮም እውን ኣረዲኦም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ከምዝበልዎ፤ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይኹን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኣናዮም ውፅኢታት ልምዓት ኢትዮጵያ ናብ ብልፅግና ንምብፃሕ ኣብቲ ትኽክለኛ መስመር ከምዘለና ዘመላኽቱ እዮም።
ብኣረኣእያ ናይ መደመር መንግሥቲ ኣብ ዓውድታት ዝተረኸበ እመርታዊ ለውጢ ብጭቡጥ ምርኣይ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ወይዘሮ መነቴ ሙንዲኖ ብግደአን፤ ዓወት ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ንካልኦት ከተማታት እውን ልዑል ልምዲ ከምዝኸውን ተዛሪበን።
ልምዓት ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ እናረጋግፅካ ንምቕፃል ተግባራዊ ስጉምትታት ብዝለዓለ ብርኪ እንወስደሉ እዋን ኢና ዘለና እውን ኢለን።