ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ኩለ መዳያዊ ዓውድታት ምትሕብባር ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ኩለ መዳያዊ ዓውድታት ምትሕብባር ተጠናኺሩ እናቐፀለ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺባታ ሂሮኖሪ ገሊፆም።
መዓልቲ ባህሊ ጃፓን ሎሚ መዓልቲ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝተፈላለዩ ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ።



ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺባታ ሂሮኖሪ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ዝተመስረተ ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣሎ።
መንግስቲ ጃፓን ንብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ፕሮግራም ዕድል ትምህርቲ ከምዝሃበ ብምሕባር፤ ብርክት ዝበሉ ሰልጠንቲ ብፕሮግራማት ስልጠና ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ጃፓን (ጃይካ) ኣቢሎም እቲ ዕድል ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ እተን ሃገራት ኣብ ምዕባይ ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ጃፓንን ኢትዮጵያን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ካብ ዝመስረታሉ እዋን ጀሚሩ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣረዲኦም።
ርክብ ጃፓንን ኢትዮጵያን ብዝበለፀ ንምጥንኻር እውን ፃዕርና ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም።
ኣብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣመራርሓ ስራሕ ኣህመድ መሀመድ ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያን ጃፓንን ጠንካራ ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን። 
እቲ በዓል ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጃፓንን እናዓምበበ ንዝመፅእ ዘሎ ርክብ ባህሊ ቀንዲ መርኣያ እዩ ኢሎም። 


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም