ፓርቲ ብልፅግና ተረባሕነት ዜጋታት ብምዕባይ ፅሬት መሰረት ዝገበረ ውፅኢት እናመዝገበ እዩ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል - ኢዜአ ትግርኛ
ፓርቲ ብልፅግና ተረባሕነት ዜጋታት ብምዕባይ ፅሬት መሰረት ዝገበረ ውፅኢት እናመዝገበ እዩ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ፓርቲ ብልፅግና ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ብምዕባይ ፅሬት መሰረት ዝገበረ ጭቡጥ ዓወት እናመዝገበ ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።
ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና 2018 ዓ/ም ዓቕሚ ኣባላት እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሃንፁ ርእሰ ጉዳያት ጠሚቱ ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተውሃበ እዩ ዝርከብ።
ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፤ እቲ ስልጠና ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ፍልጠታትን ኣተሓሳስባታትን ልምዓት ዝተውሃብሉ እዩ ኢለን።
ኣብቲ ስልጠና እውን ቀፃሊ ኣንፈትን ሕዚ ዘሎ ቁመና ልምዓትን ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ብምእታው ዓቕምን ክእለትን ዝሃንፁ ብርክት ዝበሉ ርእሰ ጉዳያት ከምዝቐረቡ ተዛሪበን።
ፓርቲ ብልፅግና ንፅረት ሓሳብ ዘለዎ፣ዝኣተዎ ቃል ብተግባር ዝፍፅም መሰረት ኩለ መዳያዊ ዕቤት እናኾነ ከምዝመፀ ሓቢረን።
እቲ ፓርቲ ኣብ ሕብረ ብሄራዊነት ዝኣምንን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝሳተፍሉን መግለአፂ ሃገራዊ ሓድነት ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን።
ጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ልዕልና ንምስግጋር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ዓውድታት ልምዓት ቱሪዝም፣ ገጠርን ከተማን፣ኢንዱስትሪ ዓብይ ዓወት እናተመዝገበ ከምዝርከብ ገሊፀን።
ዓምድታት ዕቤት ኢትዮጵያ ተባሂሎም ብዝተፈለዩ ዓውድታት ኢኮኖሚ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ምርግጋፅ ዘኽእል ጭቡጥ ዓወት ምምዝጋቡ ተዛሪበን።
እቲ ስልጠና ፀጋታት ኢትዮጵያ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ልዑል ወነን ምልዕዓልን ዝፈጠረ ወሳኒ መድረኽ ህንፀት ዓቕሚ እዩ እውን ኢለን።