እዚ ምብራቕ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዞባ ልኡኽትኡ ብዝለዓለ ብቕዓትን ቆራፅነትን ምውፅኡ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ እዩ-ሜጀር ጄነራል ፍቃዱ ፀጋዬ

ጅግጅጋ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) እዚ ምብራቕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተዋፈረሉ ዞባ ልኡኽትኡ ብዝለዓለ ብቕዓትን ቆራፅነትን ምውፅኡ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ ከምዝኾነ ምክትል ኣዛዚ እቲ እዚ ሜጀር ጄነራል ፍቃዱ ፀጋዬ ገሊፆም።
እቲ እዚ ኣብቲ ማእኸል መሰልጠኒ ስልጠና መጠናኸሪ ዓቕሚ ዝሃቦም ወታደራት ኣመሪቑ።



ምክትል ኣዛዚ እቲ እዚ ሜጀር ጄነራል ፍቃዱ ፀጋዬ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ እቲ እዚ ልኣላዊነት ሃገርን ድሕንነት ህዝብን ብዝለዓለ ብቕዓትን ጅግነንትን እናሓለወ እዩ ዝርከብ።
ብፍላይ ድማ እቲ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተውሃቦ ልኡኽቶን ግቡእን ብዝለዓለ ብቕዓት ዕዉት ኣፈፃፅማ እናመዝገበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ዝህውኹ ፅንፈኛታትን ተለኣኣኽትን ብምድምሳስ ዘኹርዕ ገድሊ ከምዝፈፀመ እውን ሓቢሮም።
እዚ ምብራቕ በቢዝተዋፈረሉ ልኡኽቶ ዞባን ከባብን ልኡኽትኡ ብብቕዓት፣ቆራፅነትን ጀግንነትን ምውፅኡ ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ ከምዝኾነ ሜጀር ጄነራል ፍቃዱ ፀጋዬ አረጋጊፆም።



እቲ ስልጠና እውን ኣባላት እቲ ሰራዊት ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን ንዝፍጠር ስግኣት ግቡእ ምላሽ ምሃብ ዘኽእልን ዝተማልአ ቁመና ድሉዉነት ዝሃነፀን እዩ ኢሎም።
ኣባላት እቲ ሰራዊት እውን ኣብቲ ማእኸል ዝረኸብዎ ክእለት ብምጥቃም መንግስታውን ትካላውን ልኡኽቶኦም ብጀግንነት ተዓጢቖምን ህዝባዊ ባህሪ ሒዞምን ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም