ፀጋታት ኢትዮጵያ ብምልማዕ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ዘረጋግፅ ዓቕሚ ኢኮኖሚ እናተፈጠረ እዩ-ሚኒስትር ዓለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ፀጋታት ኢትዮጵያ ብምልማዕ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ዘረጋግፅ ዓቕሚ ኢኮኖሚ እናተፈጠረ ከምዝኾነ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዓለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና 2018 ዓ/ም እናተውሃበ እዩ ዝርከብ።
እቶም ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ ጎና ጎኒ እቲ ስልጠና እውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ስራሕቲ ግብርና ተዓዚቦም።




ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ዓለሙ ስሜ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ፀጋታት ኢትዮጵያ ብምልማዕ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ዘረጋግፅ ዓቕሚ ኢኮኖሚ እናተፈጠረ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ወሰንቲ ዓውድታት ልምዓት ኢኮኖሚ ብልዑል ምህዋር ለውጢ እናተጉዓዘት እያ ትርከብ ኢሎም።
እቲ ስልጠና እውን ኣንፈት ዓወት ኢትዮጵያ ብፍልጠትን ክእለትን ምምራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ኣመራርሓ እውን ኢትዮጵያ ብዘለውዋ ፀጋታት ልክዕ ዕቤታን ብልፅግናኣን ንምርግጋፅ ልዑል ወነን ልውውጥ ልምድን ዝተፈጠረሉ መድረኽ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም