እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ንጎንደር ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት እታ ከተማ ናብ ልዕልናኣ እናተመለሰት እዩ-ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ንጎንደር ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ዘሳልጦም ዘለዉ ስራሕቲ እታ ከተማ ናብ ነባር ልዕልናኣ እናመለሳ ከምዝርከብ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኩነታት ስራሕ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ምግምጋሞምን ዝተሓደሰ ቀፅሪ ፋሲል ምምራቖምን ዝፍለጥ እዩ።




እቶም ኣፈ ጉባኤ ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ መብርህርሂ፤ ከተማ ጎንደር ብዙሕ ነገር እናሃለዋ ኩሉ ነገር ዝሰኣነት እያ ኔራ ኢሎም።
ዝሓለፉ መንግስትታትን መራሕትን እውን ነታ ከተማ ክገብርዎ ዝግባእ ከይገበሩ ምፅንሖም ኣዘኻኺሮም።
ጎንደር ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ጥንታውን ዓበይትን ከተማታት እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ እውን ዓብይ ብፅሒት ከምዘለዋ ሓቢሮም።
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ፀጋታትን ሃፍትታትን ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ገሊፅካ ናይ ምርኣይ ሓሳብን ተግባርን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ውፅኢት ከምዝተረኸበሉ ተዛሪቦም።
ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝዘንገዐ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዝሃብዎ ኣንፈት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
መገጭ መሰረታዊ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ህዝቢ ጎንደር ከምዝፈትሕ ብምሕባር፤ እቲ ፕሮጀክት ነታ ከተማ ዓብይ ዓቕሚ ልምዓት ከምዝኾነ ፀሪሖም።


ከተማ ጎንደር ጥንታዊነታ ብዝሓለወ መልክዑ ንምልማዕ ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ካብዚኣቶም ድማ ሕድሳት ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዝሃብዎ ኣንፈት ልዑል በጀት ብምምዳብ ብዝተሰርሐ ስራሕ ፋሲል ዳግማይ ተወሊዱ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ፋሲል ድሕሪ ዘበናት ትንሳኤ ጎንደር ዘርኢ ኮይኑ እዩ ኢሎም።
ኣብ ከተማ ጎንደር ዝሳለጡ ዘለዉ ሰራሕቲ እታ ከተማ ናብ ነባር ልዕልናኣ ዝምልስዋ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲኦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም