መርኣያ ትግሃት ምቕፃል ታሪኽ ዝኾነ ሕድሳት ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ሕድሳት ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል ታሪኽ ብምሕላው ንደቅና ናይ ምውራስ ትግሃት መርኣያ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኩነታት ስራሕ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ምግምጋሞምን ዝተሓደሰ ቀፅሪ ፋሲል ምምራቖምን ዝፍለጥ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል ምስረኣዩ ክሕደስ ከምዘለዎ ምውሳኖም ኣዘኻኺሮም።
እዚ ቆራፅነት እውን ሃፍቲ እቲ ከባብን ዓለምን ዝኾነ ሓድጊ ምድሓን ከምዘኽኣለ ፀሪሖም።
ንምሕዳስ ኣብ ዝነበረ ከይዲ እውን ውሽጣውን ደጋውን ፈተናታት ኣጋጢሞም ከምዝነበሩ ሓቢሮም።
ካብ ደገ ዘጋጠመ ፈተና ‘እዚ ሓድጊ ኣይትንክእዎ፤ እንተነኺእኹሞ እውን ክፈርስ እዩ፤ ከምዘለዎ ይቀመጥ’ዝብል ዓብይ ፅልዋ ከምዝነበረ ብምግላፅ፤ እቲ ደጋዊ ፅልዋ ብምርኣይን ‘እቲ ምሕዳስ ብውሽጢ ሃገር ኣይከኣልን’ ዝብሉን ኣተሓሳስባታትን አመለኻኽታታትን ድማ ካብ ውሽጢ ምልዓሎም ተዛሪቦም።
እዞም ኩሎም ፅልዋታት ብምስባር እቲ ሓድጊ ዳግማይ ተወሊዱ ንኣገልግሎት ከምዝበቕዐ ብምሕባር፤ ብኣንፃር እዚ ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል ተሓዲሱ ካብ ምባል ተወሊዱ እንተዝበሃል ብዝበለፀ ይገልፆ ክብሉ እውን ገሊፆም።



እዚ ድማ ኢትዮጵያ ከምትኽእል የርኢ፤ ካልኦት ሓድግታት ንምሕዳስ ዘኽእል ዓቕሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዘሎ እውን ዝምስክር እዩ ኢሎም።
እቲ ሕድሳት ብኮንትራክተራት ውሽጢ ሃገር ብዓወት ምዝዛሙ ብምግላፅ፤ በቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዓቕሚ ዓበይቲ ኮንትራክተራት ውሽጢ ሃገር እናዓበየ ምምፅኡ ሓቢሮም።
ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል ኢትዮጵያ ዓባይ ከምዝነበረት፣ሕዚ እውን ከምዝኾነትን ቀፃሊ እውን ከምትኸውንን ምልክትና እዩ ኢሎም።
ብካሊእ መዳይ ምስ ግድብ መገጭ ብዝተኣሳሰረ ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ዓመታት ከምዝወሰደ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መሬት እቲ ካበቢ ካብ ምልማዕ ብተወሳኺ ንፀገም ቀረብ ዝስተ ማይ ከተማ ጎንደር መፍትሒ ከምዝኸውን ትፅቢት ከምዝግበር ኣረዲኦም።
ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምዝንግዑ ሓደጋ ምፍራስ ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ከም ብሓዱሽ ዝስራሕ ዘሎ ዓብይ ግድብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ብኮንትራክተር ውሽጢ ሃገር ብፅቡቕ ኩነታት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ዓመት ከምዝዛዘም ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም