ህንፀት ግድብ መገጭ እንትዛዘም ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ክህብ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ - ኢዜአ ትግርኛ
ህንፀት ግድብ መገጭ እንትዛዘም ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ክህብ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ብቆራፅነት መንግስቲ ህንፀቱ ዳግማይ ዝቐፀለ ህንፀት ግድብ መገጭ እንትዛዘም ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኩነታት ስራሕ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ምግምጋሞምን ዝተሓደሰ ቀፅሪ ፋሲል ምምራቖምን ዝፍለጥ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ግድብ መስኖ መገጭ ተጓቲቱ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብቆራፅ ውሳነ መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝቐፀለን ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ምዝዛም ኣብ ዘኽእሎ ኩነታት ከምዝርከብን ኣረዲኦም።
ህንፀቱ እንትዛዘም እውን ንሓረስቶት እቲ ከባቢ ብልምዓት ዓውዲ መስኖ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ከምኡ እውን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ኣረጋጊፆም።
እቲ ግድብ ዓብይ ስለዝኾነ መስሕብ ቱሪዝም ብምዃንን ኢኮ ሲስተም እቲ ከባቢ ኣብ ምስትኽኻልን እውን ክጠቅም እዩ፤ ሰሓቢ ከባቢ ንምፍጣር እውን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ኢሎም።
ብሓፈሻ ህንፀት እቲ ግድብ እንትዛዘም ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዝህብ ተዛሪቦም።
ኣብያተ መንግስትታት ፋሲል መግለፂ ታሪኽና፣መንነትናን ስልጣነናን እዮም ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ ምሕዳስ እቶም ኣብያተ መንግስትታት ንህዝቢ እቲ ክልል ኢሉ እውን ንሃገርና ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።
ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ብምውዳድ መንግስትን ዓውዲ ውልቀን ዝሳለጡ ስራሕቲ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ እዞም ስራሕቲ እንትዛዘሙ ልምዓትን ሃፍትን እቲ ክልል ከምዘዕብዩ ገሊጾም።