ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትእስሳርን ዘላቒ ዕቤትን ንምርግጋፅ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዞባዊ ምትእስሳርን ዘላቒ ዕቤትን ንምርግጋፅ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣብ ባንኪ ኢምፖርት-ኤክስፖርት ኣፍሪካ ዳይሬክተር ኦፕሬሽናት ባንኪ ክዋቤና አዪሬቢ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ባንኪ ኢምፖርት-ኤክስፖርት ኣፍሪካ ዳይሬክተር ኦፕሬሽናት ባንኪ ክዋቤና አዪሬቢ (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ኣብታ ኣህጉር ልዑል ሃፍቲ ካብ ዘለወን ዓበይቲ ሃገራት እታ ሓንቲ እያ ኢሎም።
ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ኣብታ ኣህጉር ብዝበለፀ ለውጢ ንከምፅኣ ምሕጋዝ ኣድላይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብታ ኣህጉር ዘለዉ ዓበይቲ ኢኮኖሚታት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ብምፍጣር ኣወንታዊ ፅልዋ ከምዝፈጥሩ ሓቢሮም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ እውን ምትሕብባርን ሓባራዊ ብልፅግናን ንምስፍሕፋሕ ዓብይ መሳርሒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ግድብ ነፃነት ሓይሊ ብምርግጋፅ እታ ኣህጉር ትገብሮም መመሓየሽታት ኢኮኖሚ ንምቅልጣፍ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ሃፍትታት ሓይሊ ብሓባር ብምትእኽኻብ ዞባዊ ውህደት ጋህዲ ንምግባር ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።
እኹል ቀረብ ሓይሊ ከየማላእኻ ኣፍሪካ ምልዋጥ ከምዘይከኣል ብምሕባር፤ ከም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝበሉ ፕሮጀክትታት ኣድላይ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንፁህን ተሓዳስን ሓይሊ ብምቕራብ ንዞባዊ ውህደት ወሳኒ እጃም ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ባንኪ ጠንካራ መሓዛ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንምቕፃልን ኣብ ውሽጢ ለውጢ ኢንዱስትሪ እታ ሃገር ንምስታፍን ዘለዎ ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም