ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 956 ሽሕ ኣገልግሎት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ብኦንላይን ተሳሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 956 ሽሕ ኣገልግሎት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ብኦንላይን ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 956 ሽሕ ኣገልግሎት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ከምዝተሳለጠ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።
ኣብ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ንግዲ ውሽጢ ሃገር ሊቁ በነበሩ ከምዝበልዎ፤ ኣገልግሎት ኦንላይን (E-Trade) ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ።
በዚ አገልግሎት ድማ ኣገልግሎታት ምዝገባ ፍቓድ ንግዲ፣ምቅልጣፍን ምትእስሳርን ንግዲ ወፃኢ ከምዝወሃቡ ገሊፆም።
እዚ ድማ ቅልጣፈ ብምውሳኽ፣ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምርግጋፅ ኢሉ እውን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ብምዕባይ ንኢኮኖሚ ሃገር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 956 ሽሕ ኣገልግሎት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም።
ብመዳይ ቀረብ መሰረታዊ ሸቐጣት እውን ኣብቲ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 934 ሚሊዮን ኩንታል ሽኮርን ልዕሊ 211 ነጥቢ 348 ሚሊዮን ሊትር ዘይቲ ብልዒ ንዕዳጋ ከምዝቐረበ ኣረዲኦም።
ብመዳይ ምስፍሕፋሕን ምምሕያሽ ደረጃን ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን እውን ዝነኣዱ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1 ሽሕን 700 ዕዳጋታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣገልግሎት እናሃቡ እዮም ዝርከቡ ኢሎም።
ኣብቲ ርብዒ ዓመት ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ንምትራፍ ብዝተገበረ ቁፅፅር እውን ኣብ ልዕሊ 57 ሽሕን 212 ዘይሕጋዊ ነጋዶ ሕጋውን ምምሕዳራውን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ገሊፆም።