ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢታዊ ኮይኖም እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና 2018 ዓ/ም እናተውሃበ እዩ ዝርከብ።
ጎና ጎኒ እቲ ስልጠና እውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባን፣ ልምዓትን ቀረብን ኣባይቲ እናጎብነዩ እዮም ዝርከቡ።



ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እወዋን ከምዝበልኦ፤ ህዝቢ እታ ከተማ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢታዊ ኮይኖም እዮም።
በዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍሪካ መርኣያ ዝገበሩ ውፅኢታት ዝተረኸብሉ እዩ ኢለን።
ኣብ ልምዓትን ቀረብን ኣባይቲ ዓውዲ ውልቀ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ስራሕቲ እቲ ቀረብ ንምዕባይ ከምዘኽኣሉ እውን ገሊፀን።
በቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብርክት ዝበሉ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት መንበሪ ምርካቦም ብምግላፅ፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ውፅኢት ከምዝተረኸበ ሓቢረን።
ኣብታ ከተማ ህፃናትን መናእሰይን ኣብ ግምት ዘእተዉ ስፍራታት ስፖርት ተሃኒፆም ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝተገበሩ ብምሕባር፤ ቅዋም ምፍጣርን ምቕልጣፍን ብምኽታል ርብርብ እናተገበረ እዩ ኢለን።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም