ብኣተሓሳስባ ብልፅግና ዝተቐረፀ ስርዓት ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ማእኸላት ፍርያትን ቀረብን እናለምዑ እዮም-ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና - ኢዜአ ትግርኛ
ብኣተሓሳስባ ብልፅግና ዝተቐረፀ ስርዓት ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ማእኸላት ፍርያትን ቀረብን እናለምዑ እዮም-ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ብኣተሓሳስባ ብልፅግና ዝተቐረፀ ስርዓት ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ማእኸላት ፍርያትን ቀረብን እናለምዑ ከምዝኾኑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም።
ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት እናጎብነዩ እዮም ዝርከቡ።
ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ዝግበር ዘሎ ኡደት ኣብታ ከተማ ተግባራዊ ዝግበሩ ዘለዉ ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓታት ይጉብነዩ ኣለዉ።
ሕቶ መንበሪ ዜጋታት ንምምላስ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ብምጥቃም ማለት እውን ብልቓሕ መንግሥቲ፣ሰናይ ተግባር፣በጀት ምምሕዳር እቲ ከተማ፣ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ከምኡ እውን ብውልቀን ብማሕበርን ተወዲቦም ኣባይቲ ንክለምዑ ብምግባር ሕቶ መንበሪ ዜጋታት ንምምላስ እናተሰርሐ እዩ ተባሂሉ።
እዞም ስራሕቲ ልምዓት ኣባይቲ ሕቶታት ካብ ምምላስ ብተወሳኺ ንዜጋታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእሉ ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።
ብኣተሓሳስባ ብልፅግና ዝተቐረፀ ስርዓት ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ማእኸላት ፍርያትን ቀረብን እናለምዑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
እዚ ድማ ሰንሰለት ደላሎ ብምብጣስ ዜጋታት ብቀጥታ ካብ ሓረስቶት ፍርያት ንክረኽቡ ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ምኽባር ናብራ ኣብ ምቕናስ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ተባሂሉ።