ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝነበረና ዑደት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ቱሪዝም ምችው ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተዓዚብና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝነበረና ዑደት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ቱሪዝም ምችው ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተዓዚብና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝነበረና ዑደት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ቱሪዝም ምችው ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተዓዚብና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝነበረና ዑደት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ቱሪዝም ምችው ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተዓዚብና ኢሎም።
ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ብመሰረት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ(ካፍ) ዘቐመጦ ስታንዳርድ ደረጅኡ ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ ብትኹረት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
እቲ ስታዴም 52 ሽሕ ተመልከትቲ ምሓዝ ከምዝኽእል ብምግላፅ፤ ስራሕቲ ምግጥጣም ወናብርን ምንፃፍ ሳዕርን ከምዝተዛዘመ እውን ፀሪሖም።
ዝርገሐ መብራህቲ ሓዊሱ ካልኦት መሰረተ ልምዓታት ውሽጢ እቲ ስታዴም እውን ብቕልጡፍ እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።
ብተወሳኺ እውን ኢኮ ሪዞርት ጎርጎራ መሰረት ብምግባር ኣብ ባህር ዳር ወሰን ቃላይ ጣና ዝህነፅ ዘሎ ሪዞርት ፈለገ ግዮን ከምዝተዓዘቡ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ሪዞርት ናብ ስራሕ እንትኣቱ ቱሪዝም እታ ከተማ ካብ ምንቕቓሕ ብተወሳኺ ንብርክት ዝበሉ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ኣረዲኦም።
ብካሊእ መዳይ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባህር ዳር ዘህንፆ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ኢትዮ-ፌሪስ ኣብ ወሰና ወሰን ቃላይ ጣና ምስ ዝሳለጡ ዘለዉ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ተደሚሩ ንባህር ዳር ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከተማነት ንምስግጋር ዓብይ እጃም የበርክት ክብሉ ገሊፆም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።